ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻይና ቀንዲ ኣተኵሮ ንተወዳደርቲ ቐዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ትኸውን


ንቦሪስ ጆንሶን ተኪኦም ቦታ ቀዳማይ ሚንስተርነት ዝወዳደሩ ዘለዉ ሕጂ ክልተ’ዮም ተሪፎም። ንሳቶም ድማ ጸሓፊትጉዳያት ወጻኢ ሊዝ ትራስን ናይ ቅድም ቻንስለር ሪሺ ሱናክን’ዮም። ጉዳይ ቻይና ኣብ መንጎ’ዞም ክልተ ተወዳደርቲ ቀንዲ ኣተኵሮ ሒዙ ኣሎ።

ካብ መዝነቶም ድሕሪ ከቢድ ጸቕጢ ንዝለቐቑ ቀዳማይ ሚንስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሶን ዝትክእ ሰብ ኣብ ዝመጽእ ቀረባ ሰሙናት ወግዓዊ ክኸውን’ዩ። ኣስታት 200 ሽሕ ዝበጽሑ ኣባላት ዓቃባዊ ሰልፊ ድማ ድምጾም ክህቡ ትጽቢት ይግበር።

ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት፡ ጉዳይ ግብሪን ዝቕባበ ቍጠባን ክዕብለሎ እንከሎ፡ ኣብ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ መሪሕ ቦታ ሒዛ ዘላ ግን ቻይና’ያ። ኣብ ቀረባ እዋን ብቴለቪዥን ኣብ ዝተኻየደ ክትዕ፡ ሊዝ ትራስ ንኸም በዓል ቲክቶክ ዝኣመሰል ብቻይና ዝምወል ትካላት ኣፍኲሳ ከም ዘይትሕዝ ኣሚታ ኣላ።

እታ ሕጽይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ስክፍታኣ እንኮላይ ናብተን ዓፈንቲ ሃገራት ዝግበር ሰደድ’ዩ።

“ናብ ጨቆንቲ ስርዓታት እንልእኮ ቴክኖሎጂ’ውን ክንግድቦን እኹል ምቍጽጻር ክንገብረሉን ከድልየና’ዩ።”

እታ ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ቀንዲ ኣቓልቦ ዝገበረትሉ ጉዳይ ቻይና’ዩ። ኣብ ዢንጃንግን ሆንግ-ኮንግን ዝተራእየ ዕፈናን ምጕስቓልን ኣዝዩ ዘሻቕል’ዩ ዝበለት ትራስ፡ “ቻይና ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን’ውን ስለ ዝደገፈትን መሳርሒ ዝዀነትን ኣንጻራ ዝተረረ ስጕምቲ ክንወስድ ከድሊ’ዩ፡” ኢላ።

ንቦታ ቀዳማይ ሚኒስተርነት ዝወዳደር ዘሎ ሪሺ ሱናክ’ውን ካብ መቀናቕንቱ ዝፍለ መርገጺ ዘለዎ ኣይመስልን። ቻይና ንዓለማዊን ዘቤታዊን ጸጥታ ቀንዲ ስግኣት ምዃና’ዩ ኣብቲ ክትዕ መጒቱ።

“ከም ቀዳማይ ሚኒስተር መጠን፡ ነቶም እንኣምነሎም መሰረታዊ መትከላት ዝጻረሩ ኣዝዩ ብርቱዕ ስጕምቲ ክወስድ’የ። እዚኣቶም ድማ ኣብ ንድሕነት ሓደ ሕብረተሰብን ሃገርን ወሰንቲ ዝዀኑን ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ዘይኣትዉን’ዮም።”

ኣብ ዩኒቨርስቲ ሶኣስ (SOAS) ሎንዶን ዳይሬክተር ትካል መጽናዕቲ ቻይና ዝዀነ ስቴቭ ጻንግ እቶም ተወዳደርቲ ንፍሉይ ኣድመጽቲ ዓሊሞም ይሰርሑ ከም ዘለዉ ይሕብር።

“ኣባላት ሰልፊ ዓቃባውያን ልዕሊ እቲ ተራ ሰብ፡ ብዛዕባ ጉዳይ ቻይና ኣዝዮም ግዱሳት’ዮም። ስለዚ ከኣ’ዮም እቶም ክልተ ናይ መጨረሽታ ተወዳደርቲ ቀንዲ ኣተኵሮኦም ኣብ ቻይና ገይሮም ዝተኻትዑ። እቲ ጸገም ግን እቲ ውድድሮም መን’ዩ ቀንዲ ኣብ ልዕሊ ቻይና ዝተረረ ስጕምቲ ዝወስድ እምበር፡ እንታይ ዓይነት ፖሊሲ ከም ዘድሊ ኣቓልቦ ኣይሃቡዎን።”

ከም ኣገላልጻ ፕሮፈሰር ጻንግ፡ ገለ ካብቶም ኣብ እዋን ክትዕ ዝለዓሉ ዘለዉ ጉዳያት ድሕሪ ምርጫ’ውን ክትግበሩ ዝከኣሉ’ዮም። ንኣብነት ኢሉ ዝጠቕሶ ድማ ብተወዳዳሪ ሱናክ ዝተጠቕሱ ከም ቤት ትምህርቲ ኮንፊሸስ ምዕጻው ይከኣል ይኸውን። ፕሮፈርሰር ጻንግ ኣሰካፊ ኢሉ ዘቕረቦ ግን ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ብዛዕባ ዝተጠቕመትሉ ኣገላልጻ’ዩ። ኣብ ልዕሊ ዢንጃንግ ንዝተፈጸመ በደል “ምጽናት ዓሌት” ኢልካ ምጽዋዑ ምስ መንግስቲ ቻይና ብቐጥታ ናብ ረጽሚ ዘእቱ ምዃኑ ድማ ይግምት።

በይጂንግ ብዛዕባ’ቶም ተወዳደርቲ ዝጥቀሙሉ ዘለዉ ተዃታዂ ዝበለቶ ቃና ስክፍታኣ ኣስሚዓ ኣላ።

ወሃብ-ቃል ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዛኦ ሊጃን፤“ንገለ ፖለቲካዉያን መራሕቲ ብሪጣንያ ዝጥቀሙሉ ዘለዉ ኣርዓዲ ቃና ኣህድኡዎ ክብሎም እደሊ። ቻይና ከም ዝዓበየት ስግኣት ጌርካ ምቕራብ ደው ከብሉዎ እጽውዕ”ኢሎም።

ውጽኢት ምርጫ ብሪጣንያ ድማ 5 መስከረም ክፍለጥ’ዩ።

XS
SM
MD
LG