ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻይና ምስ ጣሊባን ንምስራሕ ድልውቲ ምዃና ኣፍሊጣ


መስራቲ ጣሊባን ሙላህ ዓብደል ጋኒ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ይ
መስራቲ ጣሊባን ሙላህ ዓብደል ጋኒ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ይ

ድሕሪ ምስሓብ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን መግለጺ ዘውጸአት ቻይና ምስ ጣሊባን ዝምድና ንምምስራት ቅርብቲ ከምዝኾነት ኣፍሊጣ።

ተንተንቲ ብወገኖም "ብሰንኪ ዝሓደራ ጥርጣረ፣ ቻይና ንኣፍጋኒስታን ሰፊሕ ጸጥታዊን ቁጠባዊን ምትእስሳር ንክትምስርት ተገዳስነት ከምዘይብላ" ይጠቅሱ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብልንክን፣ ትማሊ ሶኑይ ምስ ሰበ ስልጣን ቻይና ንጉዳይ ኣፍጋኒስታን ኣልዒሎም ተዘራሪቦም ኣለው። ክልቲኦም ወገናት "ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝማዕበለ ጸጥታዊ ኩነታትን፣ ዜጋታቶም ብሰላም ካብ’ታ ሃገር ዘውጽእሉን ኣገባብ ከምዝዘተተዩ" ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ገሊጹ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ብወገኑ "ቻይና ንሉኣላዊነት ኣፍጋኒስታንን ድልየት ኩሎም ዜጋታትን ብዘኽብር ኣገባብ፣ ከምኡውን ኣፈላላያት ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምንዳይን ዓሊማ ምስ ጣሊባን ትራኸብ ኣላ" ኢሉ።

ጎረቤት ኣፍጋኒስታን ዝኾነት ቻይና፣ ዲፕሎማታ ናብ ውግእ ሕድ ሕድ ካብ ዝጣሓለት ኣፍጋኒስታን ዝሳሓበት ኣብ 1993 ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ እዩ ነይሩ።

አመሪካ፣ ቻይና፣ ሩስያን ፓኪስታንን ኣብ ዝዘርግሕዎ ሓባራዊ መግለጺ "ኣብ ኣፍጋኒስታን ብሓይሊ ዝምስረት መንግስቲ ኣይንድግፍን ከምዝበላ’ውን" እቲ ዜና ጠቂሱ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG