ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻይና መጠን ብከላ ኣየር ዘጕድል ነዊሕ ቅናት ጽርግያ ክትሰርሕ ትሸባሸብ


ኣብ መጠን ምጕዳል ብኩል ኣየር መሪሕ ተራ እትጻወት ዘላ ቻይና፡ ሕጂ’ውን ንኢሮሽያ ምስ ቻይና ዘራኸብ ኣዝዩ ነዊሕ መስመር ጽርግያ ክትሰርሕ ትዳሎ ምህላዋ ኣፍሊጣ። እዚ መስመር’ዚ ብከላ ኣየር ኣብ ምጕዳልን ጽልዋ ቻይና ኣብ ምስፋሕን ዓቢ ተራ ክህሉዎ ትጽቢት ይገብር።

ቀጠልያ ጸዓት፡ ሓደ ካብቲ ቻይና ኣበርቲዓ እተሰርሓሉ ዘላ ተበግሶ’ዩ። ተበግሶ ቅናት ጽርግያ ወይ ድማ ብኣሕጽሮ ቃል ብርዒ ተሰይሙ ዘሎ ናይ ትሕተ-ቅርጺ መደብ ንኤስያን ኤውሮጳን ከራኽብ ዝዕልም ዘሎ’ዩ። እዚ ንኣከባቢ ክዕቅብ ዓቢ ትጽቢት ተገይሩሉ ዘሎ ስራሕ፡ ኣስታት 70 ሃገራት ዘሳትፍ’ዩ። እዚ ንሸሞንት ዓመታት ክወስድ ትጽቢት ዝገበሮ መደብ ቻይና 1.2 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ከተውፍረሉ’ያ።

ቻይና ዛጊት ኣብ ብከላ ኣየር ምስጉን ተራ ደኣ ይሃሉዋ እምበር፡ እዚ ብርዒ ዝተባህለ መደብ ከኣ ካብቲ ብኩል ኣየር ዝሰድድ ስራሓት ከሰል ናጻ’ዩ። ቻይና ነዚ ካልኣይ ቅናት ሰንሰለታዊ ጽርግያ ክትሰርሕ ምዃና ዝሓለፈ 18 ጥቅምቲ ኢያ ኣፍሊጣ። እዚ ተበግሶ ኣብ ጉዳይ ክሊማዊ ለውጢ ኣመልኪቱ ብሕቡራት ሃገራት ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ግላስኮ ስኮትላንድ ዝጋባእ ዋዕላ ዓቢ ድርኺት ክኸውን’ዩ።

ቻይና ኣብ 2060 ዓመተ ምህረት ናብ ኣየር እትሰዶ ካርቦን-ዲኦክሳይድ ናብ ዜሮ ከተውርዶ ምዃና’ያ ተመልክት። ንመብጽዓኣ ክሳብ ክንደይ ዕትብቲ ከም ዘላ ከኣ እዚ ሓደ ኣብነት ምዃኑ ተመራመርቲ እቲ ዓውዲ ይጠቕሱ።

ቻይና ኣብ ምንካይ ብኩል ኣየር ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ነባሪን ተሓዳሲ ጸዓትን እትገብሮ ዘላ ወፍሪ’ውን ዓቢ ምዃኑ ሓደር ኣብነት’ዩ።

እቲ ንሃገራት ኤስያን ኤውሮጳን ዘተኣሳስር ቅነት ጽርግያ ንኸም በዓል ካሳኪስታንን ካብ ኤውሮጳ ድማ ከም ፖርቱጋል ዝኣመሰላ ሃገራት ዓቢ ቁጠባዊ ሕወይት ከምጽኣለን ከም ዝኽእል ይዝረብ።

እታ መወዳድርቲ ቻይና ዝዀነት ኣመሪካ ተመሳሳሊ መደብ’ውን ስለ ዘይብላ፡ ቻይና ብዘይ መወዳድርቲ’ያ ነቲ ክፍጠር ዝኽእል ዕዳጋ ክትብሕት።

ቻይና ኣብ ተሓዳሲ ጻዓት ዝኸውን ወፍሪ ክትገብር’ያ ጸኒሓ። ካብ 2014ክሳብ 2017 ጥራይ ፺90% ወፍሪ ባንክታት ቻይና ነዚ ብርዒ ተሰይሙ ዘሎ መደብ ኣብ ግምት ዘእቱ ምንባሩ ተፈሊጡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG