ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻይናን ራሻን ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ዘሎ ማዕቀብ ክለዓል ይጽውዓ


ኣብ 2006 ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝተገብረ ቍጠባዊ እገዳ ንሰላማዊ ህዝቢ ይውጽዕ ኣሎ ብምባል ቻይናን ራሻን እቲ እገዳ ክለዓል ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ጻውዒት ኣቕሪበን።

ካብ መንጎ’ቲ እገዳ ክእለ ብምባል ናብ 15 ኣባላት ሃገራት ዘቕረበኦ ምሕጽንታ፡ ኣብ ደገ ዝርከቡ ዜጋታት ሰሜን ኮርያ ናብ ስድራቤቶም ገንዘብ ክሰዱ ክኽእሉ፡ ፍርያት ባሕሪ ዓለባን ንሰደድ ክከኣልን መጠን እታ ሃገር እትዕድጎ ነዳዲ ክዓቢን ዝብል ይርከቦ።

ኣብ 2006 ዝተተግበር እገዳ ባይቶ ጸጥታ፡ እታ ሃገር ፈተነ ባልሲቲክ ሚሳይል ንምዕባይ ንዝጀመረቶ መደብ ንምዅላፍ’ዩ።

XS
SM
MD
LG