ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻይናን ሩስያን ንሃገራትን ዘራኽብ ድልድል ወግዓዊ ጌረን


ንሩሲያን ቻይናን ዘራኽብ ፈላማይ ድልድል ሎሚ ዓርቢ ወግዓዊ ገይረን።እዚ ዝኸውን ዘሎ ሞስኮ ብሰንኪ ዩክሬን ምስ ሃገራት ምዕራብ ኣብ እትራፀመሉን ገፃ ናብ ኣብ ኤስያ ኣብ ዞዘረትሉን እዋን እዩ።

እቲ ሓደ ኪሎ ሜትር ንውሓት ዘለዎን ኣብ ልዕሊ ሩባ ኣሙር ዝተሰርሐን ድልድል ንርሑቕ ምብራቓዊ ከተማ ሩሲያ ብላጎቨሽቸንስክ ምስ ሰሜናዊት ከተማ ሄይሀ ዘራኽብ እዩ።

ህንፀት እቲ ድልድል ቅድሚ ክልተ ዓመት እንተተዛዘመ እውን ብሰንኪ ቫይረስኮሮና ከይተመረቐ ጸኒሑ'ዩ።

ህንፀት እቲ ድልድል 19 ቢሊዮን ሩብል ወይ 328 ሚሊዮን ዶላር ከምዝወድእ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ እዋን ዝሑል ኵናት ዝመረረ ፀላእቲ ዝነበራ ሞስኮን ቤጂንግን ናይ ኣመሪካ ዓለምለኸ ዕብለላ ዝበልኦ ሚዛን ንምትሓዝ ብዘለወን ድልየት ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ፖለቲካውን ቁጠባውን ምትሕብባር ኣርእየን ኣለዋ።

ክልቲአን ሃገራት ብ፬፣፪፶ ኪሎ ሚኤትር ይዳበዋ።

XS
SM
MD
LG