ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻንስለር ጀርመን ኣንገላ መርከል ዝርግሓ ቫይረስ ኮሮና ንምክልካል ጽኑዕ እገዳ ክግበር ጸዊዓ


ቻንስለር ጀርመን ኣንገላ መርከል ኣብታ ሃገር ቁጽሪ መትሓዝቲ ኮቪድ መዓልታዊ ክብረ መዝገብ ድሕሪ ምህራሙ- ጽኑዕ እገዳ ክግበር ጸዊዓ።

መርከል ሎሚ ንታሕታዋይ ባይቶ ሃገራ ክትገልጽ ከላ፡ ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ቃልሲ ኢና ዘለና-ዳሕራዋይ ማዕበል ካብቲ ቀዳማይ ክገድድ ይኽእል`ዩ ኢላ።

ትካል ምክልኻል ተላገብቲ ሕማማት ጀርመን፡ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ኣብ ምልእቲ ጀርመር 590 ሰባት ብኮቪድ19 ምሟቶም ኣፍሊጡ`ሎ።

ቻንስለር ኣንጀላ መርከል ኣብ እዋን በዓላት ልደት ስድራቤታት ክተኣኻኸባ ዝፍቀደለን`ኳ እንተኾነ ድሕሪኡ ኣብ ዘሎ ግዜ ግን እቲ እገዳታት ክትግበር ትደሊ።

XS
SM
MD
LG