ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻምፒዮንስ ሊግ ኣፍሪቃ: ጋንታ መቐለ 70 እንደርታን ካኖ ስፓርትን ብማዕረ ሸቶ ተፈላልየን


ኣብ ቻምፒዮንስ ሊግ ኣፍሪቃ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ምስ ካኖ ስፓርት ኣካዳሚ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ኣብ ሜዳኣ ማዕረ ሸቶ 1 ብ 1 ተፈላልያ::

ኣብ ሻምፒዮንስ ሊግ ኣፍሪቃ ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ መቐለ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ምስ ናይ ኢኳቶሪያል ጊኒ ካኖ ስፖርት አካዳሚ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ማዕረ ብምውፃኣ ናብ ቐፃሊ ዙርያ ከይሓለፈት ተሪፋ::

ኣብ መበል 11 ደቒቓ ኣማኑኤል ገብረሚካኤል ብዘመዝገባ ሸቶ መቐለ 70 እንደርታ መሪሕነታ ክትሕዝ ኪኢላ ዋላ ተነበረት ቤንጃሚን ናኦኔ ኣብ መበል 37 ደቒቓ ብዘመዝገባ ሸቶ ካኖ ስፖርት ኣካዳሚ ማዕረ ገይርዋ።

ብመሰረት እዚ ብድምር ውፅኢት 3 ብ 2 ብዝኾነ ውፅኢት መቐለ 70 እንደርታ ተሳዒራ ካብ ውድድር ወፃኢ ኮይና:: ጋንታ መቐለ ዝረኸበቶ ፍፁም ቅላዕ ኦሴይ ማውሊ ክጥቀመላ ኣይከኣለን:: ተፃወቲ መቐለ 70 እንደርታ ብቁፅፅር ኩዕሶን ፅዕንቶ ፈጢርካ ብምፅዋት ዝሓሹ ነይሮም: ካኖ ስፖርት አካዳሚ ድማ ሜላ መሊስካ ምጥቃዕ ብምጥቃም ተፃዊቶም:: ናብ ቐፃሊ ዙርያ ዝሓለፈት ጋንታ ካኖ ስፖርት ኣካዳሚ ኣብ ወርሒ መስከረም ምስ ናይ ግብፂ ጋንታ ኣል-ኣህሊ ክትፃወት ምኻኑ ተገሊፁ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

XS
SM
MD
LG