ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ክልላዊ መንግስቲ ደቡብ ልዕልና ሕጊ ኽክበር: ድሕነት ዜጋታት ክረጋገጽ ጸዊዑ


ኣብ ኢትዮጵያ ቤት ምኽሪ ክልላዊ መንግስቲ ደቡብ ናይቲ ክልል መንግስቲ ልዕልነት ሕጊ ብምኽባር ድሕነት ህዝቢ ከረጋግፅ ኣተሓሳሲቡ።

ሎሚ ዝጀመረ ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ናይቲ ክልል ዝተሳተፉ ኣባላት ቤት ምኽሪ መንግስቲ ናይ ዜጋታት ብሰላም ናይ ምንባርን ሃፍቲ ናይ ምጥራይን መሰሎም የኽብር ከምዘየለን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምክልኻል እውን ድኽመት ከምዘለዎን ነቒፎም።

ኣማሓዳሪ ናይቲ ክልል ኣቶ ርስቱ ይርዳው ናይ ጥፍኣት ሓይሊ ኢሎም ዝፀውዕዎም ኣካላት ሕቶታት ህዝቢ ብምጥቃም ኣብ ናይቲ ክልል ፀጥታ ፀገም ይፈጥሩ ከምዘለውን ናይቲ ክልል መንግስቲ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ይሰርሕ ከምዘሎን ተዛሪቦም ።

XS
SM
MD
LG