ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትግራይ፡ንዝተፈላለዩ ኣገልግሎት ክጠቕም ዝጸንሓ ተክሊ ዓላሊሞ ጉድኣቱ ይበዝሕ ብምህላው ንምጥፍኡ ይሰራሕ ከምዘሎ ተገሊጹ


ኣይተ ብርሃነ ለማ መራሒ ጉጅለ ክልኒክ ጥዕና ኣእዋምን ምክልኻል ባልዓትን

ኣብ ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ገለ ወረዳታት ማእከላይ ዞባ ዝርከባ ወረዳታት ብጠቃምነቱ ዝፍለጥ ዝነበረ ተክሊ ዓላሊሞ ጉድኣቱ እናበዝሐ ይመፅእ ስለዘሎ ንዕኡ ንምጥፋእ ይስራሕ ከም ዘሎ ኣብ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ክልል ትግራይ መራሒ ጉጅለ ክልኒክ ጥዕና ኣእዋምን ምክልኻል ባልዓትን ኣይተ ብርሃነ ለማ ገሊፆም።

ኣይተ ብርሃነ ለማ ተኸሊ ዓላሊሞ ተኸሊ ዑፍ ቆሎ እናተባህለ ዝፍለጥን ምስ ቆጥቋጣት ዝምደብ ተኽሊ ምኳኑ ይገልጹ። ተኸሊ ዓላሊሞ ኣብ ትግራይ መዓስ ከምዝኣተወ ብንጹር ዝፍለጥ እኳ እንተዘይኮነ፤ ሐዚ ግን ኣብ ወርዒ ለከ፣ ዓድዋ፣ታሕታይ ማይጨው፣ ዛናን ካልኦት ከባቢታት ትግራይ ከምዝርከብ ኣይተ ብርሃነ ወሲኮም ሓቢሮም።

ተክሊ ዓላሊሞ ንነዊሕ ግዜ ከም ንሓፁር፣ መጋየፂ፣ ፍርኡ ንቆልዑ ምብላዕን ካልኦትን ጥቅምታት ክህብ ዝጸንሓ ኮይኑ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘለዎ ኣሉታዊ ሳዕቤን እናገነነ ምስ መፅአ ተወሳኪ መጽናዕትን ስራሓት ምክልኻልን ይስራሕ ከምዘሎ ኣይት ብርሃነ ወሲኮም ሓቢሮም፡፡

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG