ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትግራይ፡ ሓደሽቲ ምሩቓት ኣብ ዝርግሓን ዕብየትን ኣገልግሎት ሕክምና ዓብይ ኣበርክቶ ኣለዎም ተባሂሉ


በብግዚኡ ዝምረቑ ሓደሽቲ ተመረቕቲ ሓካይም ኣብ ትግራይ ሕብረተሰብ ብቐረብኡ ኣገልጋሎት ሕክምና ንክረኽቡ ይሕግዝ ኣሎ ክብል ቤት ጽሕፈት ሓለዋ ጥዕና እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ብተወሳኽI ተበፃሕነት ሓካይም ሓደ ን 10 ሽሕ ንምግባር ፃዕሪ ይገብር ምህላዉ ሓቢሩ’ሎ።

ዩኒቨርስቲ ዓዲ ግራት ንፈለማ እዋን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ብሕክምና ኣብ ዘመረቐሉ እዋን ብዝልዓለ መዓርግ ካብ ዝተመረቑ ዶክተር ሳምራዊት ነጋሲ በቲ ዝተመረቐቶ ሞያ ንህዝቢ ከተገልግል ድልውቲ ምዃና ትዛረብ።

ዶክተር ናትናኤል ተስፋይ እውን ካብቶም ሓደሽቲ ተመረቕቲ እቲ ዩኒቨርስቲ ሓደ እዩ። ሕክምና ልዑል ጥንቃቐ ዝሓትት ሞያ ብምዃኑ ህዝቢ ዝደልዮ ኣገልግሎት ንምሃብ ድልው እየ ኢሉ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ጎድፋይ ኣብ ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ሓደ ዶክተር ን15 ሽሕ ሰባት እዩ ብፅሒቱ። እዚ ነቲ ብዓለምለኸ ደረጃ ዝተቐመጠ ሓደ ዶክተር ን10 ሽሕ ሰባት ንምብፃሕ ፃዕሪ ይግበር ኣሎ ኢሎም ። ሓደሽቲ ተመረቕቲ ሓካይም ድማ ነቲ ኣገልግሎት ከምዘዕብይዎ ድማ ተዛሪቦም።

ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ
ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ

ብተወሳኺ ድማ ሓደሽቲ ሓካይም ናብቲ ዓውዲ ምእታዎም ተሓከምቲ ኣብ ከባቢኦም ኣገልግሎት ክረኽቡ ኣብ ምግባር እውን ልዑል ኣበርክቶ ኣለዎ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Recommended

XS
SM
MD
LG