ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትዊተር፡ ከም ናይ ፕረዚደንት ሩስያ ብላድሚር ፑቲን ማህበራዊ ገጽ ኮይኑ ክሰርሕ ንዝጸንሓ ገጽ ዓጽዩ


ትዊተር ከም ናይ ፕረዚደንት ሩስያ ብላድሚር ፑቲን ብምምሳል ክሰርሕ ንዝጸንሓ ናይ ትዊተር ገጽ ከምዝዓጸዎ ኣፍሊጡ። እቲ ገጽ ብቋንቋ እንግሊዝ ጽሑፋት ዝዝርግሕ ከምዝነበረን ልዕሊ 1 ሚልዮን ሰዓብቲ ከምዝነበርዎን ተፈሊጡ’ሎ።

ትዊተር ነቲ ገጽ ካብ ሕዳር 28 ጀሚሩ ከምዝዓጸዎን ካብ ሰበ ስልጣን ሩስያ ድሕሪ ዝረኸቦ ሓበሬታ እቲ ገጽ ናይቶም ፕረዚደንት ከምዘይኾነ ብምርግጋጽ ከምዝዓጸዎ ኣፍሊጡ’ሎ።

እቲ ናይ ትዊተር ገጽ ኣብ 2012 ዝጀመረ ክከውን ከሎ ኣብ 2013 ድማ ከም ወግዓዊ ገጽ እቶም ፕረዚደንት ኮይኑ ተመዝጊቡ ከምዝጸንሓ ተፈሊጡ’ሎ።

ቤተ መንግስቲ ክረምሊን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ይኹን ርእይቶ ኣይሃበን።

XS
SM
MD
LG