ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትዊተር ንሪፖብሊካዊት ተወካሊት ህዝቢ ማርጀሪ ተይለር ግሪን ንግዜኡ ይኽልክል


ትዊተር፡ ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ንኣዝዩ ዓቃባዊ ኣረኣእያ ዘለዋ ተወካሊት ኣባል ሰልፊ ረፓብሊካን ማርጀሪ ተይለር ግሪን ብሰንኪ ኣብ ጉዳይ ኮቪድ-19 ዘርኣየቶ ዘይጽጹይ መልእኽቲ ን12 ሰዓታት ከልኪሉዋ። ግሪን ኣብ ዝፈነወቶ መልእኽቲ ትዊተር፡ ቫይረስ ኮሮና ንኣዝዩ ገዚፍ መጠን ነብሲ ዘይብሎምን ትሕቲ 65 ዓመቶም ከም ዘየጥቅዕ ዘመልክት ኰይኑ፡ ንጉዳይ መድሃኒትን መግቢን ዝከታተል መንግስታዊ ኣካል ዝወስዶ ዘሎ ስጕምቲ ዘይምኽኑይ ምዃኑ ዘመልክት’ዩ።

ብመሰረት መምርሒ ትካል ትዊተር ድማ መልእኽታ “ዝንቡዓት” ወይ ድማ “ኣጋገይቲ” ስለ ዝተባህሉ ንኸይጋውሑ ተኸሊሎም። ብመሰረት ንመድሃኒታትን መግቢን ዝቈጻጸር በዓል-መዚ፡ እቶም ኣሜሪካ እትጥቀመሎም ዘላ ሰለስተ ዓይነታት ክታበት--ፋይዘር፡ ሞደርናን ጆንሶንን ጆንሶንን--በቲ ግቡእ መስርሕ ደኣ ኣይሕለፉ እምበር፡ ክሳብ ሕጂ ግን ኣዕጋቢ ውጽኢት ይህቡ ምህላዎም ይሕበር።

ፕረዚደንት ባይደን ንትካላት ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ንጉዳይ ክታበት ኣመልኪቱ ዝወሃብ ጌጋ ሓበሬታ ክጥንቀቓሉ ተማሕጺኖም ነይሮም።

ግሪን ብመገዲ ፈይስቡክ ኣቢላ ኣብ ዘዘርግሓቶ መልእኽቲ፡ ን12 ሰዓታት ምኽልካላ ድሕሪ ምሕባር፡ ተሰካሚ እቲ በደል ግን ምምሕዳር ባይደን ምዃኑ ጠቒሳ። ናይ ምዝራብ ሓርነታ ይኽልክላ ከም ዘሎ’ውን ወሲኻ ገሊጻ።

ግሪን፡ መከልኻሊ ሽፋን ኣፍ ምግባር ብመንግስቲ ዝወጸ መምርሒ፡ ምስቲ ህይወት 6 ሚልዮን ኣይሁውያን ዝወሰደ ህልቂት ናዚ ብምምስሳላ ኣደዳ ከቢድ ነቕፌታ ኰይና ነይራ። ኣብ ወርሒ ጥሪ’ውን ንውጽኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ድሕሪ ምንጻጋ፡ ትዊተር ከልኪሉዋ ምንባሩ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG