ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትዊተር ጋዜጠኛ ድምጺ ኣመሪካ ዝርከቦም ንሓያሎ ስሙያት ተጠቀምቲ ከልኪሉ


ቢልዮነር ኢላን ማስክ ንኩባንያ ትዊተር ድሕሪ ምግዛኡን ለውጥታት ከተኣታቱ ምዃኑ ወስታታት ከርኢ ድሕሪ ምጽናሑን፡ ሓያሎ ስሙያት ጋዜጠኛታት ሃንደበት ትማሊ ሓሙስ ታሕሳስ 15,2022 ካብቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ተኸልኪሎም። እቶም ንትዊተር ካብ ምጥቃም፡ ገለ ንዘይተወሰነ እዋን ካልኦት ድማ ንዅሉ ግዜ ምኽልካሎም ዝተመልከተ ጋዜጠኛታት ከም ዘ ኒው-ዮርክ ታይምስ፡ ዋሺንግተን ፖስትን ሲኤንኤንን ይርከቡዎም።

እቶም ብዙሕ ሰዓቢ ዝነበሮም ጋዜጠኛታትን ስለምንታይ ሃንደበት ከም ዝተኣገዱ ኩባንያ ትዊተር ኣይገለጸን። እንተዀነ ዝርዝር ብዘይብሉ መገዲ “ንመትከትላት እቲ ትካል ብምጥሓሶም” ከም ዝተኸልከሉ ዘርኢ መልእኽቲ ተቐቢሎም።

ተጣባቒ “ናጻ ሓሳባት” ምዃኑ ዝምጕት ኢላን ማስክ፡ ነቶም ንጕዕዞ ነፋሪቱ እናተኸታተሉ ዝሕብሩ ዝነበሩ ተጠቀምቲ ብምኽንያት ጸጥታ ኢሉ ከም ዝኸልከሎም ብግልጺ ሓቢሩ ኣሎ። እቶም ዝተኣገዱ ጋዜጠኛታት ግን፡ ነቲ ቢልዮነር ዝኽተሎ ዘሎ ኣካያዳ ክነቕፉ ምጽናሖም ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እቲ ሕጂ ዘኸልከሎም ንሱ ድዩ ካልእ ምኽንያት ግን ኣይነጸረን።

ኩባንያ ትዊተር ብዛዕባኡ ምላሽ ክህብ ተሓቲቱ ድማ ዛጊት መብርሂ ኣይሃበን።

XS
SM
MD
LG