ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትዊተር ሰራሕተኛታቱ ካብ ገዛ ክሰርሑ ኣዚዙ


ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ትዊተር ዝርግሓ ኮሮና ቫይረስ ንምክልካል ሰራሕተኛታቱ ካብ መጀመርያ’ዚ ሰሙን’ዚ ጀሚሮም ካብ ገዛ ክሰርሑ ኣዚዙ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ኣየርላንድ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ጎግል ሓደ ሰራሕተኛ ሕማም ሰዓል ዝመስል ምልክት ብምርኣዩ ኩሎም ሰራሕተኛታት ንሓደ መዓልቲ ካብ ናይ ስራሕ ቦትኦም ተአልዮም ክጸንሑ ምእዛዙ ተሓቢሩ’ሎ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝረአ ዘሎ ኣብ ሰባት ኣቐዲሙ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ከተማ ውሃን ቻይና ካብ ዝረአ ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ኣስታት 3,100 ሰባት ሞይቶም ካልኦት ልዕሊ 90,000 ድማ በቲ ሕማም ተለኺፎም ኣለው።

ዝርግሓ’ቲ ሕማም ብዙሕ ናይ መገሻ ዕንቅፋታት ይፈጥር ምህላው’ውን ይፍለጥ።

ሓላፊት ዓቕሚ ሰብ ትዊተር ጀኒፈር ክሪስቲ “እቶም ካብ ገዛ ከሰርሑ ዝክእሉ ሰራሕተኛታት ዝርግሓ’ቲ ሕማም ኣብ ናይ ስራሕ ቦታን ኣብ ዓለምን ንምጉዳል ካብ ገዛ ክሰርሑ ኣዚዝና” ክትብል ኣብ መርበብ ሓበሬታ’ቲ ትካል ገሊጻ።

XS
SM
MD
LG