ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትካል ቪርጂን ኦርቢት ናብ ህዋ ዝፈነዎ መንኮርኮር ኣይተዓወተን


ምውንጫፍ ቲ ሮኬት ዝከታተሉ ተዓዘብቲ
ምውንጫፍ ቲ ሮኬት ዝከታተሉ ተዓዘብቲ

ቪርጂን ኦርቢት ዝተባህለ ትካል ምርምር ጠፈር፡ ካብ ምዕራብ ኤውሮጳ ናብ ሳትላይት ናብ ጠፈር ንምስዳድ ብሰኑይ ዝገበሮ ፈተነ ከም ዝፈሸለ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ጸብጺቡ።

ብእንግሊዛዊ በዓል ዋኒን ዝውነን ትካል ቪርጂን ኦርቢት ኣቐዲሙ ካብ ካሊፎርኒያ ኣመሪካ ተመሳሳሊ፡ ኣርባዕተ ዕዉት ጕዕዞ ኣካዪዱ ነይሩ። እዚ ናይ ሰኑይ ፈተነ ግን ከም ዝበርዓኖን ነቲ ምኽንያት የጽንዖ ምህላዉን ሓቢሩ።

እታ ንኻልኦት ትሽዓተ ሳትላይታት ሒዛ ክትጓዓዝ ተመዲባ ዝነበረት ሮኬት ክልተ ሰዓት ኣብ ህዋ ድሕሪ ምንስፋፋፍ’ዩ እቲ ፍሽለት ኣጋጢሙ።

XS
SM
MD
LG