ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ኩነታት ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ከምዘሻቅሎ ገሊጹ


ላዕለዋይ ኮምሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ሕቡራት ሃገራት  ፍሊፖ ግራንዲ
ላዕለዋይ ኮምሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ሕቡራት ሃገራት  ፍሊፖ ግራንዲ

ላዕለዋይ ኮምሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንዲ ኩነታት ኣብ ክልል ትግራይ ዘለው ኤርትራዊያን ስደተኛታት ከምዘሻቀሎም ገሊጾም።

ኮምሽነር ፍሊፖ ግራንዲ ካብ ሕዳር ጀሚሩ ብሰንኪ ዝተወለዐ ውግእ፣ እቶም ስደተኛታት ኣብ ህውከትን ጸገም ሰላምን ተቀርቂሮም ከምዝርከቡ’ውን ጠቂሶም።

እቶም ኮምሽነር "ክልተ መዓስከር ስደተኛታት ሙሉእ ንሙሉእ ዓንየን’የን፣ ዓሰርተታት ኣሻሓት ስደተኛታት ሃዲሞም፣ ምስ’ዚ ሓይሊ’ዶ ምስ’ቲ ካልእ ወጊንኩም ተባሂሎም፣ ስጉምቲ ሕነ ምፍዳይ ከምዝተወሰደሎም ናይ እማን ጭብጢታት በጺሑና አሎ’ ይብሉ ።

ኣብ መዓስከራት ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን፣ ብዝተፈላለዩ ሓይልታት፣ ብለይቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ገበናዊ መጥቓዕቲ ከምዝተፈጸመ’ውን ገሊጾም። ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ሰሙናት፣ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራዊያን ኣብ ሽረ ከምዝተኣሰሩ ብምግላጽ እሱራት ስደተኛታትን ሓተቲ ዕቁባን እንተሃልዮም ንክፍትሑ ንሰበ ስልጣን መቐለ ሓቲትና ኣለና’ውን ኢሎም።

ብዛዕባ’ቶም ይቃልሑ ዘለው ከበድቲ ገበናት፣ ምጽራይ ንክግበረሎም፣ ንፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን መጸዋዕታ ከምዝቀረበ’ውን ፍሊፒ ግራንዲ ጠቂሶም።

XS
SM
MD
LG