ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ንምሕጋዝ 447 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ሓቲቱ


ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ ኣስታት 900,000 ስደተኛታትን ንልዕሊ ርብዒ ሚልዮን ሱዳናዊያንን ዝሓሸ ሓገዝ ንምርካብ ኣስታት 447 ሚልዮን ዶላር ናይ ገንዘብ ሓገዝ ሓቲቱ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ምስ ካልኦት 30 ዝኾኑ መሻርክቲ ብምዃን ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ ስደተኛታት መጽለሊ: ኣገልግሎት ሕክምናን ትምህርቲን ንምቕራብ ነቲ ሓገዝ ምሕታቱ ሓቢሩ’ሎ። እቲ ትካል ወሲኹ ዋላ’ዃ ዝበዝሑ ካብቶም ስደተኛታት ካብ ደቡብ ሱዳን ዝመጹ እንተኾኑ ካብ ካልኦት ትሸዓተ ሃገራት ዝመጹ ስደተኛታት ሓገዝ ንምሃብ ዘድልይ ቀረብ ከምዘድልይ’ውን ኣይሓብኣን።

ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ባባር ባሎች ሱዳን ሕጂ እውን ሓደሽቲ ስደተኛታት ትቕበል ምህላዋን እዚ ድማ ነቲ በብግዚኡ ዝምህምን ዘሎ ቀረባ ሓገዝ ጸቕጢ ይገብር ኣሎ ኢሎም።

ዋሕዚ ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ናብ ዞባ ዳርፉር ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ካብ 5,000 ናብ 17,000 ምውሳኹ ባባር ባሎች የረድኡ።

ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ገለ ርሑቕ ከባቢታት ሓዊሱ ኣብ 130 ኑቑጣታት 18 ክፍለ ግዝኣታት ተዓቑቦም ይርከቡ።

XS
SM
MD
LG