ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ተፈጺሙ ንዝተባህለ ቕትለት መልሲ ሂቡ


ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ጨንፈር ኢትዮጵያ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ተፈጺሙ ዝተባህለ ቕትለት ከም ዝሰምዓ ገሊፁ “ከምዚኦም ዝበሉ ፀብፃባት ኣኽቢድና ኢና ንርእዮም ብኡ ንብኡ’ዉን ኣብ ሽረ ምስ ዝርከቡ ኣባላትና መሻርኽትን ኤርትራውያን ስደተኛታት ርክብ ጌርና’ኢና ። ዛጊት ግን ነቲ ዝተባህለ ኸነረጋግፆ አይከኣልናን” ኢሉ’ሎ።

ኣቐዲሙ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ኣብ ዘውጽእዎ መልእኽቲ "ህወሓት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ከይተረፈ ቁጽጽር ኣብ ዘይብሉ ህልቂት ሰላማዊያን ሰባትን ናይ ሕነ ምፍዳይ ቅትለት ይፍጽም ኣሎ:እንተኾነ ግና እዞም ግፍዕታትን ዘይሕጋዊ ስጉምቲታት ህወሓትን ብሓፈሻ ከም ኦቻን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝአመሰላ ብፖለቲካዊ መርገጺ ዝምርሑ ትካላት ሕቡራት ሃገራት: ገለ መንግስታትን መሓውራት ዜና ክግለጹ ኣይረኣይን" ምባሎም ይፍለጥ::

XS
SM
MD
LG