ዋሽንግተን —
ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ታንዛኒያ ካብ ሞዛምቢክ ክፍለ ግዝኣት ካቦ ዴልጋዶ ተሰዲዶም ዕቑባ ዝሓተቱ ስደተኛታት ብኣስገዳድ ምብራራ ጠጠው ክተብሎ ሓቲቱ።
ታንዛኒያ ካብ መስከረም ጀሚራ ንልዕሊ 4,000 ሞዛምቢካዊያን ሓተቲ ዕቑባ ምስጓጓ ፀብፃባት ይገልፁ።ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ እዚ ቁጽሪ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራሕ ብኣስገዳድ ዝተመለሱ ልዕሊ 1,500 ሰባት ከምዝሓውስ ኣፍሊጡ ኣሎ።እቶም ስደተኛታት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዶብ ሞዛምቢክ ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ይርከቡ።
ብጋዝ ሃብታም ካብ ዝኾነ ካብ ሰሜናዊ ሞዛምቢክ ክፍለ ግዝኣት ካቦ ዴልጋዶ ካብ ጥቅምቲ 2017 ጀሚሩ ኣስታት 724,000 ሰባት ተመዛቢሎም ኣለው።ወኪላት ረድኤት ን50,000 ሰባት ሓለዋን መሰረታዊ ረድኤትን ክህቡ ፀኒሖምኣለው። ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ክሳብ መወዳእታ እዚ ዓመት ንተወሰኽቲ 250,000 ሰባት ንምሕጋዝ መደባት ይሳለጡ ኣለው ኢሉ።