ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ቁጽሪ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሞቱ ስደተኛታት ንሻዱሻይ ዓመት ልዕሊ 1,000 ምብጽሑ ኣፍሊጡ


ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ቁጽሪ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሞቱ ስደተኛታት ንሻዱሻይ ዓመት ልዕሊ 1,000 ምብጽሑ ሎሚ ሶሉስ ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቃል እቲ ትካል ቻርሊ ያክስሊ ኣብቲ ሎሚ ሶሉስ ዝወጸ መግለጺ’ቲ ትካል “ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንዝካየድ ናይ ህይወት ኣድሕን ስርሒት ክቕጽልን ክውስኽን ይጽውዕ። ብተወሳኺ ብዘይመንግስታዊ ትካላት ዝውነና መራኽብ ዝካየድ ናይ ህይወት ኣድሕን ስርሒት ኣገዳስነት ኣፍልጦ ክወሃቦን ስርሒት ህይወት ኣድሕን ከካይዳ ክፍቐደለን ይጽውዕ” ኢሎም።

ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ካብ 2014 ጀሚሩ ኣስታት 15,000 ሰባት ኣውሮጳ ንምብጻሕ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ምቁራጽ ህይወቶም ምሕላፉ ይሕብር።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG