ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ውግእ ተሰዲዶም ኣብ መዓስከራት ሱዳን ዝነበሩ ዝተወሰኑ ሰባት፣ ካብ’ቲ መዓስከር ወጺኦም ኣበይ ከምዝኣተው ክፈልጥ ኣይካኣልኩን ኢሉ ።
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ "ገለ ካብ’ቶም ተመዝጊቦም ዝነበሩ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ኣብ ውግእ ይሳተፉ ኣለው ዝብል ሪፖርት መሓውራት ዜና ምስምዖም፣ እንተኾነ መምርሒ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብደረጃ ውልቀ ሰብ ሓበሬታ ምሃብ ክልኩል ከምዝገብሮ ጠቂሱ።
መጠነኛ ምንካይ ብዝሒ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ዋላ’ውን እንተተረኣየ፣ እንተኾነ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት እቶም ሃለዋቶም ዘይተፈልጡ ሰባት ኣበይ ከምዘለው ብንጹር ክፈልጥ ኣይካኣልን ይብል።
እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ "እቶም ሃለዋቶም ዝጠፍኡ ሰባት፣ ስደተኛታት ዘይኮኑ ኣብ ማይካድራ ጭፍጨፋ ዝፈጸሙ መናእሰይ ህወሓት ምዃኖም ኣቅድም ኣቢልና ገሊጽና ኢና::እቶም ሰባት ናብ ህወሓት እዮም ተጸምቢሮም" ኢሉ።
ሓላፊት ፕረስ ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ቢል ለኔ ስዩም ኣብ’ዚ ቅነ’ዚ፣ ኣብ ጭና ዝተባሃለ ከባቢ ዝተፈጸመ ጭፍጨፋን ንደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ሓዊሱ 200 ሰባት ዝተቀትልሉ መቀጸልታ ጨፍጫፍ ማይካድራ እዩ ከምዝበለት’ውን ተሓቢሩ'ሎ።
'ሳምሪ’ ተባሂሎም ዝጽውዑ ህወሓት ዝወደቦም መናእሰይ፣ ኣብ ማይካድራ ዝፈጸምዎ ቅትለት፣ ልዕሊ 600 ሰባት ከምዝተቀትሉ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ከምዝገለጸ ዝዝከር እዩ። ህወሓት ግን ነዚ ክሲ’ዚ ይነጽግ።