ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃን ካልኦት ትካላትን ናብ መዓስከር ስደተኛታት ክልል ትግራይ ምብጽሖም ገሊጾም


ፋይል- መዓስከር ስደተኛታት ዓዲ ሓሩሽ
ፋይል- መዓስከር ስደተኛታት ዓዲ ሓሩሽ

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ትካላትን፣ ናብ’ቶም ኣብ ክልል ትግራይ ዝተደኮኑ መዓስከራት ስደተኛታት ኤርትራዊያን ዝኾኑ ማይዓይኒን ዓዲ ሓርሽን ከምዝበጽሑ ገሊጾም።

ኣብ’ቲ ከባቢ ይካየድ ዝነበረ ውግእ፣ ሰራሕተኛታት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ካብ 13 ሓምለ ጀሚሩ ናብ’ተን መዓስከራት ንከይበጽሑ ዓጊትዎም ከምዝጸንሐ ተሓቢሩ'ሎ።

ሎሚ ግና፣ ኣገዳሲ ቀረባት ካብ ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልታት ጀሚሩ ናብ 23 ሽሕ ስደተኛታት ይኣቱ ከምዘሎ’ውን ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ሕቡራት ሃገራት ወሲኹ ይኹን ደአ እምበር ኩነታት ዘይሃድኡ ስለዘለው፣ ስደተኛታት ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ከምዝርከቡ፣ ኣገልግሎት ጥዕና ከምዘየሎን፣ ጽሩይ ዝስተ ማይ’ውን ይጽንቀቅ ምህላው ገሊጹ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓርሽን ዘለው ስደተኛታት ኣብ ጥቃ ዳባት 135 ኪ/ሜ ርሒቁ ናብ ዝርከብ ስፍራ ዝሓልፍሉ መገዲ ንክኽፈተሎም ጸዊዑ። ዛጊት ቀዳሞት 126 ስደተኛታት ናብ’ቲ ሓድሽ መዓስከር ከምዝኸዱ’ውን ገሊጹ።

ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብዝተኸፈተ ውግእ ከምዝተሻቀለ ዝገልጽ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት አብ ክልል ኣምሓራ 100 ሽሕ ኣብ ዓፋር 70 ሽሕ ሰባት ከምዝተፈናቀሉ፣ ሰባት ሎሚ’ውን ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ይሰግሩ ከምዘለው፣ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራሕ 275,000 ሰባት እቶም 40 ሽሕ ኤርትራዊያን’ዮም ኣብ ሃምዳይት ሱዳን ከምዝበጽሑ እቲ ዜና ጠቂሱ። ብዘይካ'ዚ፣ 900 ህዝቢ ቅማንት ናብ ሱዳን ከምዝኣተው ተፈሊጡ ኣሎ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ን96 ሽሕ ኤርትራዊያን ስደተኛታትን 650 ሽሕ ኢትዮጵያዊያንን መሐገዚ ዝውዕል 164.5 ሚልዮን ዶላር ተማሕጺኑ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG