ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ዘድልዮ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ብዘይምርካቡ ናይ ሓገዝ ፕሮግራማት ከምዝንኪ ኣፍሊጡ


ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት (UNHCR) ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ንምሕጋዝ ካብ ዘድልዮ 8.2 ቢሊዮን ዶላር ፍርቁ ጥራሕ ብምርካቡ ኣገደስቲ ዝኾኑ ፕሮግራማት ረድኤት ከምዝንኪ ኣፍሊጡ።

ኣብዙሪያ ዓለም 68.5 ሚሊዮን ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ዜጋታት ኣለው።ካብዚኦም 25.4 ሚሊዮን ስደተኛታት እዮም።እቲ ትካል ብሰንኪ ግጭትን ምክልባትን ቁጽሪ ይመዛበሉ ዘለው እንተወሰኸ እውን ገንዘብ ግን ነኪዩ’ሎ ይብል።

ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ባባር ባሎች እዚ ንስቓይ ስደተኛታትን ተመዛበልትን ዝውስኽ እዩ ይብሉ።እቲ ውሱን ገንዘብ ኣብ ሓገዛት ህይወት ኣድሕን፣መግቢ፣መፅለልን ክንክን ጥዕናን ክውዕል እዩ።

ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብሩንዲ የስዕቦ ዘሎ ፀገም ከምዚ ይብሉ።

“ካብ ብሩንዲ ይሃድሙ ዘለው ህፃናት ብስደት ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ይርከቡ።ኣብ ዝተፀቓቐጡ ኣብያተ ትምህርቲ ወይ ኣብ እግሪ ፅላል ገረብ ኮይኖም ትምህርቶም ይከታተሉ።ኣላይ ዘይብሎም ቆልዑትን ግዳይ ፆታዊ ዓመፅን ናይ ምሕጋዝ ስራሕ እውን ይትነክፉ እዮም።”

በቲ ሕፅረት ገንዘብ ዝህሰያ ሽዱሽተ ሃገራት ብሩንዲ፣ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎ፣ኣፍጋኒስታን፣ደቡብ ሱዳን፣ሶሪያን ሶማልን እየን።

እቲ ዘሎ በጀት ብህይወት ንምንባር ዘኽእሉ ቀረባት ጥራሕ ስለዝኸውን ኣስታት 12 ሚሊዮን ሶሪያዊያን ስደተኛታትን ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ እቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት ገሊፁ’ሎ።

XS
SM
MD
LG