ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትካል ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ኣስታት 108 ሰባት ምሟቶም ኣፍሊጡ


ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ካብ መጀመርያ`ዚ ዓመት ጀሚሩ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብዘካየዶ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 108 ሲቪላት ከም ዝተቐተሉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን፡ ብመንግስቲ ክልል ትግራይ ዝውነን መሰልጠኒ ትምህርቲ ተክኒክ፡ ካምፕ ተፈናቐልቲ፡ መጥሓን እኽሊ፡ ናይ ውልቂ ሚኒባስ ከምኡ`ውን ብርክት ዝበሉ ሲቪላዊ ዕላማታት ብነፈርቲ ከምዝተወቕዑ እቲ ቤት ጽሕፈት ጠቒሱ`ሎ።

እቲ ዝበዝሑ ሰባት ዝተቐትልሉ ግን። ብ7 ጥሪ 2022 ኣብ ደደቢት ካምፕ ተፈናቐልቲ ዝተፈጸመ ምዃኑ ይዝክር። በዚ ድማ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ንሲቪላት ካብ መጥቃዕቲ ክሕልዉ ወሃቢት ቃል`ቲ ቤት ጽሕፈት ሊዝ ትሮሰል ጸዊዓ`ላ። እታ ወሃቢት ቃል ነዚ መርሆታት ዘይምኽባር ግን ናብ ገበናት ኩናት ዝወስድ`ዩ ትብል ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ`ዚ ክስታት ደብዳብ ነፈርቲ ዝበሎ ነገር የለን።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG