ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትካል ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ንጉዳይ ትግራይ ብዝምልከት ሓባራዊ መርመራ ምስ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ከምዘካይድ ሓቢሩ

ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ነቲ ካብ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝቀረበሉ ሕቶ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸሙ ከበድቲ መግሃስቲ መሰላት ሓቢርካ ንምጽራይ ኣዎንታዊ ግብረ መልሲ ምሃቡ ገሊጹ።

በቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘጋጠመ ኩነታት ሰብኣዊ ቅልውላውን መግሃስቲ መሰላትን ኣዚና ተሻቂልና ኣለና። ስለዝኾነ እዩ፣ ንዝሰፍሐ ኩነታት ምብጻሕ ናብ’ቲ ከባቢ ንምእታው ንሓትት ዘለና: መንግስቲ ኢትዮጵያ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ንክኣትው ምፍቃዱ ኣዎንታዊ እዩ ኢሉ። ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ግና፣ ነቶም ዝተፈጸሙ ግህሰታት ሙሉእ መስርሕ ምጽራይ ንክካየደሎም ሓቲትና ኣለና።

እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ፣ ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ትግራይ ብኩሎም ወገናት ዝተፈጸሙ ግህሰታት መታን ምጽራይ ክገበረሎምን፣ ቢሮ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ ንከጻርይ ካብ ኢትዮጵያ ዕድመ ድሕሪ ምቅራቡን ሕቡራት ሃገራት ከምዝተቀበሎን ወሃቢ ቃል ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ዓርቢ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት’ዚ፣ ነቲ ከይዲ ንምቅጻል ተግባራዊ ውጥናት ጀሚሮም ከምዘለውን ስለ ርትዒን ፍትሒን ተባሂሉ እዞም ተበግሶታት ምቅጻሎም ኣገዳሲ ምዃኑን ተገሊጹ'ሎ።

This item is part of
XS
SM
MD
LG