ዋሽንግተን —
ኣብ ቡርኪናፋሶ ንዝተፈጸመ ዕልዋ ዝኾነና ሓላፊት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባችለት፣ እታ ሃገር ብቅልጡፍ ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ንክትምለስ ጸዊዔን።
ንሰን ኣብ መግለጺኤን፣ ሰራዊት ቡርኪናፋሶ ምስ ኩሎም ኣባላት ማሕበረሰብ ልዝብ ንክጅምርን፣ ኣብ’ታ ሃገር ጀሚሩ ንዝነበረ መስርሕ ዴሞክራሲ ንክቅጽልሉን ተማሕጺነን።
ቡርኪናፋሶ ብሰብኣዊ ቅልውላው ትሕመስ ዘላ ሃገር’ውን እያ። ብመሰረት ሕቡራት ሃገራት 3.5 ሚልዮን ህዝባ ተጸበይቲ ረድኤት እዮም።
ናብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ እናኸዱ ከለው፣ እግረ መገዶም ርእይቶ ዝሃቡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብወገኖም በቲ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝተፈጸመ ዕልዋ ኣዝዮም ከምዝተሻቀሉ ገሊጾም።
"ሓላፍነት ሰራዊት፣ ምክልኻል ሃገርን ህዝቢን'ምበር ኣብ ልዕሊ መንግስቶም መጥቓዕቲ ብምፍጻም ኮረቻ ስልጣን ምምንጣል ኣይኮነን" ኢሎም።
ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ፣ ምንቅስቃስ ጉጅለ ሽበራ’ውን ከምዘሎ ዘዘኻኸሩ እቶም ዋና ጸሓፊ፣ ሰራዊት ኣብ’ቲ ዞባ ዘለዋ ሃገራት፣ ንሃገራቶም ካብ መጥቓዕቲ ምክልኻልን ንዴሞክራሲያዊ ትካላት ምሕብሓብን ክሰርሑ ኣለዎም'ውን ኢሎም።