ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትካል ረድኤት ኖርዌይ ሰብኣዊ ኩነታት ክልል ትግራይ ከምዘሻቅሎ ይገልጽ


ሰራሕተኛት ረድኤት ናብ ረጊጾምዎም ዘይፈልጡ ከባቢታት ትግራይ ብዝኣተው ቁጽሪ፣ "ብጥምየትን ሕማማትን ዝሳቀዩ ሰባት ብበዝሒ ጋህዲ ይወጽእ ከምዝጀመረ" ተገሊጹ።

ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ክልተ ሰሙናት ናብ ሸራሮ ካብ ሞንጎ ዝኣተው 37 ሽሕ ተፈናቀልቲ፣ ዝማሰኑ ህጻናትን ነብሰጾራትን ከምዝርከብዎም ትካል ተራድኦ ኖርዌይ አፍሊጡ።

እቲ መግለጺ ወሲኹ "ኣብ ሸራሮ ዘሎ ኩነታት ከቢድ ከምዝኾነ፣ ስድራቤታት ዕለታዊ ናብ ሸራሮ ይመጻ ኣለዋ፣ እንተኾነ፣ ንሰሙናት ሓገዝ ኣይረኸባን ዘለዋ" ይብል።

ዳይረክተር ትካል ረድኤት ኖርዌይ ያን ኤግላንድ "ሰብኣዊ ሓገዝ ብህጹጽ እንተዘይቀሪቡ፣ ሰባት ምሟት ክጅምሩ’ዮም" ክብሉ ኣጠንቂቆም ኣለው።

እቲ ትካል "እቲ ህዝቢ፣ ብሰንኪ ጾታዊ ዓመጽ፣ ቅትለትን ውግእን ሃዲሞም ከምዝቀነዩን ናብ ሸራሮ ምስ ዝምለሱ ድማ ተስፋ ዘቁርጽ ነገር ከምዝተጸበዮምን ገሊጾምልና" ይብል ።

ኣብ ዝዓነው መዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽን ሽመልባን ቀዲሙ ዝኣተወ ትካል ረድኤት ከምዝኾነ ዝገልጽ ትካል ተራድኦ ኖርዌይ "ቅድሚ’ቲ ውግእ ኣብ ክልቲኤን መዓስከራት ኣስታት 33 ሽሕ ኤርትራዊያን ከምዝነበሩ፣ ሎሚ ገሊኦም ናብ ውሑስ ስፍራ፣ ገሊኦም ብኣስገዳድ ናብ ኤርትራ ከምዝተወሰዱን" ጠቂሱ'ሎ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ’ቶም መዓስከራት ዋላ ሓደ ስደተኛ ከምዘየለን፣ ኣብ’ቲ ከባቢ ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝሃደሙ ሰለስተ ሽሕ ተመዛበልቲ ከምዝረኸበን አፍሊጡ ኣሎ።

እቲ ትካል ወሲኹ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሰባት ኣብ ዝሃለውዎ ይሃልው፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክረኽቡ ክንዲ ዝኻኣሎ ንክሰርሕ’ሚስተር ኤግላንድ ጸዊዖም።

XS
SM
MD
LG