ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትካል ምርምር ሕርሻ ትግራይ ኣብ ምስሳን ምህርቲ ሓረስቶት እጃሙ የበርክት ምህላው ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትካል ምርምር ሕርሻ ትግራይ ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ሓያሎ ምርምራት ብምክያድ ንምስሳን ምህርቲ ሓረስቶት እጃሙ ከበርክት ፀኒሑ፡፡ትካል ምርምር ሕርሻ ትግራይ ኣብ ኣላማጣ፣ ኣክሱም፣ ማይፀብሪን፣ ሽሞራን መቐለን ማእከል ምርምራት ጣብያ ኣለዉዎ፡፡ኣብዞም ዝተፈላለዩ ምርምራት ጣብያ ኣብ ኩለ መዳይ ዘራእቲ፣ሃብቲ እንስሳን ካልኦት ዘመናዊያን መሳርሕን ኣድሂቦም ይመራመሩ ናብ ሓረስቶት የቕርቡ፡፡ ምክትል ዳይረክተር ምርምር ዘራእቲ ዶክተር ገብረ ሓጎስ ትካል ምርምር ሕርሻ ትግራይ ብሰለስተ ዓበይቲ ዓንድታት ዝቖመ’ዩ ይብሉ፡፡

ንሶም ብተወሳኺ ኣብ ኩሎም ማእከል ምርምራት ዝተረክቡ ዝተፈላለዩ ዓሌት ዘራእቲ ናብ ሓረስቶት ክበፅሑ ተገይሩ እዩ፡፡ ኣብ ስርናይ፣ ሰሊጥ፣ ዓልቋይ፣ሩዝን ካልኦት ዘራእትን ዓሌቶም ብምምሕያሽ ናብ ሓረስታይ ተኣታትዮም እዮም ይብሉ፡፡ እዞም ዓሌታት እዚኦም ብፍላይ ኣብ ምፅዋር ሕማማት ዝሓሸ ተክእሎ ዘለዎም እዮም፡፡ ብዘይካ እዚ ምስ ናይ ከባቢና ህልው ኩነታት ዝናብ ተዛሚዶም ድርቂ ዝፃወሩን ኣብ ሓፂር ግዜ ናብ እቶት ዝበፅሑን ዘራእቲ አዮም፡፡

ዶክተር ገብረ ብምርምር ዝምዕብሉ ዘራእቲ ብውሕድ ካብቶም ቅድሚአን ንጥቀመሎም ዝነበርና ብ10 ሚእታዊ ዕብየት ዘርእዩ ምዃኖም ተረጋጊፁ እዩ ናብ ሓረስቶት ዘበፅሑ ይብሉ ፡፡ እዞም ዝተመሓየሹ ዘራእቲ ናብ ሓረስቶት ኣብ ምብፃሕን ብቀሊሉ ኣብ ምቅባል እንታይ ከምዝመስሉ ዶክተር ገብረ ክገልጹ ከለው “እዞም ዝተመሓየሹ ዘራእቲ ኣብ እዋን ፈተነ ምስ ሓረስታይ ኰይንካ እዮም ዝስርሑ፡፡ እቲ ምርምር ሓረስታይ ኣብ ዘለዎን ኣብ ግራቱን አዩ ዝካየድ፡፡ ኣብ ሓደ ከባቢ ዘለዉ ዝተማሓየሹ ዘራእቲ ብዕዶትን ካልእን ክርኦምን ክመሃረሎምን ሰለዝግበር ኣብ ምቅባል ዘጋጥም ፀገም የለን።”

ዶክተር ገብረ ነቲ ማእከል ምርምርን ስርሓትን ብዝምልከት ዝሃብዎ ሰፊሕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG