ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትካል ህፃናት ኣድህን ሕቡራት ሃገራት ናይ 3.9 ቢሊዮን ዶላር ናይ ገንዘብ ሓገዝ ሓቲቱ


ትካል ህፃናት ኣድህን ሕቡራት ሃገራት (UNICEF) ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝቐረቡ ምሕፅንታታት እቲ ዝዓበየ ዝብሃል ናይ 3.9 ቢሊዮን ዶላር ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ሓቲቱ።እቲ ሓገዝ ኣብ 59 ሃገራት ብግጭት፣ናይ ተፈጥሮ ሓደጋን ካልኦትን ንዝተጠቕዑ 41 ሚሊዮን ህፃናት ሓዊሱ ን73 ሚሊዮን ሰባት ዝውዕል እዩ።

ካብቶም ግዳያት ልዕሊ 34 ሚሊዮን ብግጭት ወይ ብሓደጋ ዝተተንከፉ ህፃናት እዮም።ላዕለዋይ በዓል ስልጣን’ቲ ትካል ማኑኤል ፎንተይን 88 ሚእታዊት ናይዚ ዓመት ምሕፅንታ ሓገዝ ብሰንኪ ግጭት ንዝተፈጥረ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝውዕል እዩ ኢሎም።ዜጋታት ብዕቑባ ናብ ሓሙሽተ ጎረባብታ ዝተበተኑዋን ዝዓበየ ተመዛበልቲ ዘለዋን ሶሪያ ዝዓበየ ሓገዝ ዝግበረላ እያ ኢሎም።

“እታ ካልአይቲ ዝዓበየት ተሓጋዚት የመን እያ።ቅድም ክብል ዝነበረ ዘሰቅቕ ኩነታት ህፃናት ብዘሕዝን እናሓመቐ ዝኸደሉ እዩ ነይሩ። ዝሓለፈ ዓመት ካብ 10 ቆልዑት እቶም ሸሞንተ ማለት እውን ልዕሊ 11 ሚሊዮን የመናዊያን ህፃናት ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮም ኣሎ።”

ከም ልሙድ ግን ዝዓበየ ናይ ትካል ህፃናት ኣድህን ሕቡራት ሃገራት ስርሒት ኣብ ኣፍሪቃ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ።ኣብዚ ዓመት እዚ ግን ካብ ሶሪያን ደቡብ ሱዳንን ቀፂላ ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎ ሳልሳይቲ ተሰሪዓ’ላ።

XS
SM
MD
LG