ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትካል ህጻናት ኣድሕን ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ 10 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ይጽበ


ትካል ህጻናት ኣድሕን ሕቡራት ሃገራት (UNICEF)፡ ብደርቂን ካልእ ባህርያዊ ሓደጋታትን ንዝተተንከፉ ህጻናት ዝውዕል፡ 10.3 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ከም ዘድልዮ ፈጻሚት ዳይረክተር እቲ ትካል ካትሪን ራሰል ንማዕከናት ዜና ኣመልኪታ።

ከም ሓበሬታ እታ ፈጻሚት ዳይረክተር እቲ ተወጢኑ ዘሎ ሓገዝ ን173 ሚልዮን ህጻናት ዝውዕል’ዩ። ትካል ዩኒሰፍ፡ ኣብቲ “ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው” ኢሉ ዝጠቐሶ መቓን ግዜ፡ ለበዳ ኮቪድ-19 ለውጢ ክሊማ ዝፈጠሮ ምምዝባዕን ከም ዝተጋደደ ይሕብር።

ዩኒሰፍ ዝሓለፈ 10 ዓመታት እቶም ዝወዓዩ ምንባሮም ክሕብር እንከሎ፡ እዚ ድማ ተደማሚሩ ንህይወት ህጻናት ዓለም ብኣሉታ ከም ዝጸለዎን ናብ ዝኸፍአ ቅልውላው ከም ዘእተዎን የመልክት።

ፈጻሚት ዳይረክተር እቲ ትካል፡ ካትሪን ራሰል፡ እቲ ዝዓበየ መጻኢ ስግኣት ብለውጢ ክሊማ ዝፍጠር ምዃኑ ብምምልካት፡ ማዕረ’ቲ ዝኸይድ ዘሎ ለውጢ ግብረ-መልሲ ምስ ዘይወሃብ ናብ ዝኸፍአ ቅልውላው ክመርሕ ምዃኑ ኣጠንቂቓ።

XS
SM
MD
LG