ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትካል ህጻናት ኣድህን ሕ/ሃ ኣብ ክልል ትግራይ ይቅጽል ዘሎ ቅልውላው ከምዘሻቐሎ ገሊጹ


ኣብ ክልል ትግራይ ይቅጽል ዘሎ ቅልውላው ፣ ብሕልፊ ኣብ ልዕሊ ቆልዑ የሕድሮ ዘሎ ጽልዋን ዘድልዮም መሰረታዊ ቀረባትን ከምዘሻቀሎ ትካል ህጻናት ኣድህን ሕ/ሃ (ዩኒሴፍ) ሎሚ ዓርቢ ኣፍሊጡ።

ዩኒሴፍ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምውላዕ ውግእ፣ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ቆልዑን ደቂ ኣንስትዮን ዝተፈጸሙ ቅትለታትን ጾታዊ መግሰስቲን ግልጺ ይወጹ ኣለው፣ 20 ቆልዑ ዝሓለፈ ሕዳር ኣብ ማርያም ደንጎላት ምቅታሎም ንስድራቤታትን ሕብረተሰብን ቃንዛ ኮይንዎም ይቅጽል ኣሎ ይብል ።

እቲ ትካል ወሲኹ "ኣብያተ ትምህርቲን ትካላት ጥዕናን ተዘሪፎም፣ ተሰሪቆም፣ ዕጡቃትን ጉጅለታትን ይነብሩ ኣለው። ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና ኮነ ተባሂሉ መጥቓዕቲ ምፍጻሙን እቶም ኣገልግሎት ዝልግሱ ትካላት ንድልየት ህዝቢ ከማልኡ ኣይካኣሉን" ይብል ።

ዩኒሴፍ ኹናትን ስርቂን ንኣስታት 60 ሚእታዊት ማእከላት ጥዕና ክልል ትግራይ ካብ ጥቅሚ ወጻኢ ገይርዎም ኣሎ ኢሉ ኣሎ ።

XS
SM
MD
LG