ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ክልል ትግራይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸም ምህላው ገሊጾም


ኣህጉራዊ ኮሚቴ ኣድሕን/ኣይ ሲ ኣር ሲ/ ኣብቲ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዘቑጸረ ግጭት ክልል ትግራይ፥ ኣንስትን ኣዋልድን ሰፊሕ መግሃስን ምዝመዛን የጋጥመን ኣሎ ኢሉ።

ብኻልእ ወገን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝርአ ዘሎ ዝበሎ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ጥሕሰት ኣህጉራዊ ሕግን ኣብ ምርኣይ መራሕቲ ዓለም ብህጹጽ ክዛረቡን ተወሳኺ ክገብሩን ጸዊዑ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ኣብ ግጭት ክልል ትግራይ ዝኾነ ዓይነት ገበን ዝፈጸመ ኣካል ካብ ሕጊ ከምዘየምልጥ ክገልጽ ጸኒሑ'ሎ። ብተወሳኺ'ውን ምስ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ብምትሕብባር መግሃስቲ ተፈጺሙ እንተኾይኑ መርመራታት የካይድ ምህላዉ'ውን ኣፍሊጡ'ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG