ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ዓለምለኸ ማሕበራትን ውግእ ዩክሬን ሰላማዊ መዕረፊ ንክግበረሉ ጸዊዖም


ከተማ ካራኪቭ ዩክሬን
ከተማ ካራኪቭ ዩክሬን

ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ዓለምለኸ ማሕበራትን፣ ውግእ ዩክሬን ሰላማዊ መዕረፊ ንክግበረሉ መጸዋዕታ ኣቅሪቦም።

ብመሰረት ሕ/ሃ ዘውጸኦ ሓበሬታ ክሳብ ሕጂ ኣብ ግጭት ዩክሬን፣ 474 ሰባት ክሞቱ ከለው 861 ድማ ቆሲሎም።

ወሃቢት ቃል ኮምሽነር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ’ቲ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ይካየድ ዘሎ ግጭት፣ ብዝሒ ዝሞቱን ዝተወግኡን ሰላማዊያን ሰባት ብንጹር ንምፍላጥ ዝካኣል ኣይኮነን ከምዝበለት ዝረኸብናዮ ዜና ጠቂሱ'ሎ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ሩስያ ዘበገሰቶን ሰላማዊያን ሰባት ዝሓልፍሉ መገዲ ማርዮፖል ምኽፋትን ዝብል እማመ፣ ድሕሪ ምጥሓስ ጊዚያዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ከምዝተቋረጸ እቲ ዜና ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG