ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትንታነ: ቅትለት ላዕለዋይ ኣዛዚ ኣል-ቓዒዳ ንስግኣት ግብረ ሽበራ ዘፋኹስ ድዩ?


ኣዛዚ ጉጅለ ኣል-ቓዒዳ ዝነበረ ኣይማን ኣል-ዛዋሂሪ - ፋይል
ኣዛዚ ጉጅለ ኣል-ቓዒዳ ዝነበረ ኣይማን ኣል-ዛዋሂሪ - ፋይል

ኣዛዚ ጉጅለ ኣል-ቓዒዳ ዝነበረ ኣይማን ኣል-ዛዋሂሪ ኣብ ኣፍጋኒስታን ብኣመሪካ ድሕሪ ምቕታሉ፡ መጠናዊ ርግኣት ዝሃበ ይመስል። እቲ ጕጅለ ወገናቱ ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ኣጫጪሑ ስለ ዘሎ ግን ንስግኣት ግብረ-ሽበራ ዘፋኹስ ዘይምዃኑ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካን ክኢላታት እቲ ዓውዲን ይምጕቱ።

ዋይትሃውስ ንላዕለዋይ ኣዛዚ ጉጅለ ኣል-ቓዒዳ ኣይማን ኣል-ዛዋሂሪ ምቕንጻሉ ዓቢ ዓወት ምዃኑ ይሕብር ኣሎ። ፕረዚደንት ባይደን’ውን ኣሚር ኣል-ቓዒዳ ከም ዘኣለዩ ብዅርዓት ተዛሪቦም። ነቲ ርእሲ ምቕንጻሉ ግን እቲ ስግኣት ለጊሱ ማለት ከም ዘይኰነ ላዕለዎት ኣካላት ይገልጹ።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኣመሪካ ጆን ኪርብይ ብዛዕባ’ቲ ስግኣት ኣመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ፤“ገና ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ፡ ሳሕል፡ ማእከላይ ምብራቕን የመንን ኣለዉ። ናብ ኣፍጋኒስታን ኣተኲርና ምጽናሕና ዘይዝንጋዕ’ዩ። እዚ ማለት ግን ካብ ካልእ ቦታታት ኣዒንቲና ኣልዒልና ማለት ኣይኰነን።”

ኦሳማ ቢንላንደን ኣብ 1988 ነቲ ጕጅለ ካብ ዘቝሞ ጀሚሩ፡ ኣብ ዝሰዓበ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተፈላለየ ጨናፍር ፈጢሩ’ዩ። እቲ ጕጅለ ድማ ዝያዳ ኣንጻር ፖሊሲታት ኣመሪካን እስራኤልን ብዘለዎ ጽልኢ ይፍለጥ። እቶም ዝጫጭሑ ጕጅለታት በበይኑ ትርጕም ቅዱስ ቁርዓንን እስላምን ስለ ዝህቡ፡ ብእኡ መጠን ድማ ክፈላልዩን ክመሳሰሉን ይኽእሉ።

ኣብ ትካል ማእከል ዊልሰን፡ ዳይረክተር ጉዳያት ኤስያ ዝዀነ ማይክል ኩግለማን ኣል-ቓዒዳ ብቐጥታ ኣብ ኣመሪካ ወይ ካልእ ሃገራት መጥቃዕቲ ክፍጽም ኣይኽኣል እምበር እቲ ስነ-ሓሳባቱ ኣብ ካልእ ስለ ዝተዘርአ ዘየዛኒ ምዃኑ ይሕብር።

ብሕልፊ እኳ ኣብ ኣፍሪቃ ዝሰፍሕ ዘሎ ጥሩፍ እስላማዊ ምንቅስቓሳት እቲ ቀንዲ ስግኣት ኰይኑ ኣሎ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ፕሪቶሪያ ደቡብ ኣፍሪቃ ላዕለዋይ ተመራማሪ ጉዳያት ጸጥታ ዝዀነ ማርቲን ኢዊ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ፤“ምኽረይ ንባይደንን መንግስቲ ኣመሪካን ነቲ ርእሲ ምእላይ ሓደ ዓወት ክኸውን ይኽእል’ዩ። እዚ ግን ኣብቲ ዓቢ ስእሊ ኣንጻር ግብረ-ሽበራ ዝግበር ወፍሪ ክንርእዮ እንከሎና ኣዝዩ ንእሽቶ’ዩ። እቲ ቀንዲ ኣተኵሮ ክኸውን ዘለዎ ድማ ኣብቶም ንኸምኡ ዝድርኹ ምኽንያታት ምትኳር’ዩ ክኸውን ዘለዎ። ነቶም ድፍኢት ዝዀኑ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊን ካልኦት ምኽንያታትን እንተ ኣተኲርና ዝበለጸ ውጽኢት ክርከብ ይኽእል’ዩ።”

ሞት ኣል-ዛዋሂሪ ነቲ ጕጅለ ክጸልዎ ምዃኑ ኣይዝንጋዕን። ማዕረ ኦሳማ ቢንላደን ዝጸጋጋዕ ህቡብነት ኣይነበሮን። ሓያል ዲሲፕሊን ዝውንን ሰብ ከም ምንባሩ ግን ከም ኣዛዚ ቍልፊ’ዩ ነይሩ።

ካብ ትካል ሶፋን ዝዀነ ኮሊን ክላርክ፡ ኣል-ዛዋሂሪ ኣብ ምጭጫሕ በበይኖም ንኣሽቱ ጕጅለታት ወሳኒ ግደ ምጽዋቱ ይዛረብ። እቶም ካብ ዞባ ሳሕል ክሳብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተዘርጊሖም ዘለዉ ጥሩፋት ጕጅለ ድማ ብምፍጣሩ እቲ ቀንዲ ዘዘክሮ ምዃኑ ክላርክ ይሕብር።

እቲ ቀንዲ ሕቶ እምበኣር እቲ ዝቕጽል ስጕምቲ እንታይ ክመስል’ዩ ዝብል’ዩ።

ፕረዚደንት ባይደን መርገጺኦም ንጹር ይመስል።“ምምሕዳረይ እቲ ስግኣት ካበይን በየንን ክመጽእ’ዩ ብዘየገድስ ንተኽእሎታት ኣል-ቓዒዳ ብደቂቕ ክከታተሎ’ዩ”ይብሉ።

ክኢላታት ድማ ዓቕሊ ይሓቱ። ካብ ትካል ሶፋን ዝዀነ ኮሊን ክላርክ፤“እዚ ጕጅለ ዓቕሊን ዓቕሚን ዘለዎ’ዩ። ስለዚ ድማ እቲ ስግኣት ከም ዝተኣልየ ኣምሲልና ናብ ካልእ ምስጋር ዝገደደ ሳዕቤን ከምጽእ ይኽእል’ዩ። ሕጂ እቲ ኣተኵሮ ናብተን ዝዓበየ ሃገራት ከም ሩስያን ቻይናን ክህሉ ይኽእል’ዩ። ነዞም ጉጅለታት ኣንኢስካ ምርኣይ ግን ዳሕራይ ዋጋ ክንከፍለሉ ኢና።”

ኣብ 1993 ኣብ ቀዳማይ መጥቃዕቶም ጕጅለ ኣል-ቓዒዳ ንማእከል ንግዲ ዓለም ምስ ሃረሙ ሽዱሽተ ሰባት ቀቲሎም። ኣብ እዋኑ ንእሽቶ ኣቓልቦ ዘይውሃቦምን ጕጅለ’ዮም ነይሮም። እዚ ግን ክሳብ 11 መስከረም 2001 ዝመጽእ ጥራይ’ዩ ጸኒሑ እምበር ዳሕራይ’ሲ ሓደገኝነቶም ተራእዩ’ዩ።

XS
SM
MD
LG