ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትንተና: መርማሪ ኮሚተ ጥሪ 6 ቀዳማይ ስራሑ ምስ ወድአ ናበይ’ዩ ክቕጽል?


ንመጥቃዕቲ ህንጻ ካፒቶል ዝምርምር ኮሚተ ቀዳማይ እብረ ስራሑ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ክዛዝም’ዩ። እቲ ንህዝቢ ግሉጽ ዝዀነ ኣገባብ እከባ ሓበሬታ ክገብር ዝጸንሐ ኮሚተ፡ ቀንዲ መርመራኡ ተራ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ መጥቃዕቲ ንምፍላጥ’ዩ ነይሩ።

ቅድሚ ሎሚ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ኣመሪካ ብገበን ተኸሲሱ ኣይፈልጥን። ሕጂ ግን ሓገግቲ ኣካል ኣመሪካ፡ ንናይ ቅድም ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ በቲ ኣብ ጥሪ 6 ንውጽኢት ምርጫ ክልውጥ ምፍታኖም፡ ክሲ ክምስረተሎም ምሕጽንታ ንምቕራብ ይዳለዉ ኣለዉ።

እዚ ትሽዓተ ኣባላት ዝሓዘ መርማሪ ኮሚተ፡ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ሰዓብቶም ኣለዓዒሎም ኣንጻር ደሞክራሲ ከም ዝሰርሑ ይኸሱ።

ኣባል’ቲ ኮሚተን ካብ ሰልፊ ረፓብሊካንን ዝዀና ሊዝ ቸንይ፤"ፈተነ ዶናልድ ትራምፕ ንመንግስቲ ንምግልባጥ ሕጂ ምሉእ ስእሊ እናሓዘ ይመጽእ ኣሎ። ጸኒሑ ብዝቐርብ ዘሎ ሓበሬታት ከኣ’ሞ እቲ ተግባር ኣዝዩ ዘርዕድን ንምሕሳቡ’ውን ዘጸግምን ምዃኑ ይንጽር ኣሎ።”

ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ደጋጊሞም ዝጠቐሱዎን ሓቅነት ዘይብሉን ምጕታቶም ዝሓዘ በዓል 12-ገጽ ናይ ተቓውሞ ደብዳበ ጽሒፎም ኣለዉ። እቶም ፕረዚደንት ነበር ንህዝቢ ብቴለቪዥን ኣብ ዝሓለፍ ምስማዕ፡ ምስክርነት ምእካብ ከም ዘይከኣልን ቅኑዕ ዘይምዃኑን’ውን ኣመልኪቶም ኣለው።

ሓያሎ ክኢላታት ሕጊ ግን እቲ ኮሚተ ዝጥቀመሉ ዘሎ ኣገባብ እከባ ሓበሬታ ጭብጥታት ኣብ ምርካብ ነቲ ጉዳይ ኣብ ምትርናዕን ቅቡል ኣገባብ ምዃኑ ይምጕቱ።

ኣብ ጆርጅ ዋሽንግተን ዩኒቨርስቲ መምህር ሕጊ ዝዀኑ ፖል በርማን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም፤“ብሽርሒ ንሓደ ሕጋዊ መስርሕ ክትዕንቅፍ ምፍታኖም ከኽስሶም ዝኽእል’ዩ። ፍጹም ሓቅነት ብዘይብሉ ንውጽኢት ምርጫ ኣመሪካ ክትልውጥ ምፍታን ዓቢ ነገር’ዩ። ትራምፕ ከምኡ ክግበሩ ክፍትኑ እንከለዉ ዝዀነ ጭብጢ’ውን ኣይነበሮምን። ነዚ ድማ ኣርጊጾም ይፈልጡዎ ነይሮም’ዮም። እዚኣቶም ከኣ ኣብ ከምዚ ክካይደ ዝቐነየ ህዝባዊ ምስክርነት’ዮም ክርከቡ ዝኽእሉ። ህዝባዊ ናዕቢ ምልዓል ዘሕትት ኰይኑ፡ እቲ ዝስዕብ ሕቶ ግን ትራምፕ ዝተጻወቱዎ ተራ ብጭቡጥ ምቕራብ’ዩ።”

ካልኦት ክኢላታት ሕጊ’ውን ትራምፕ ክሲ ምስ ዝምስረቶም፡ ነቲ “ስርቂ ምርጫ” ኢሎም ዘለዓዓሉ ኣሚነምሉ ዲዮም ወይስ መሲሉዎም ንምርግጋጹ ከቢድ ምዃኑ ይዛረቡ።

ሓያሎ ሰብ-ሞያ ሕጊ ዝሰማምዑላ ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ ብታሕሳስ 2019 ዝሰደዱዋ መልእኽቲ ትዊተር ነቶም ኣኽረርቲ ደገፍቶም ዓቢ ድርኺት ብምዃን ነቲ ዝሰዓበ ናዕቢ ምኽንያት ምዃና’ዩ። እዚ ዝመስል ድርኺት ከኽስስ ከም ዝኽእል ድማ ይሰማምዑ።

ኮሚተ ጥሪ 6 ካልእ እብረ ምስማዕ ድሕሪ ክልተ-ሰለስተ ኣዋርሕ ክቕጽሎ’ዩ። እዚ ህዝባዊ ቃለ-ምስክርነት ኣብ ርብዓዊ ምርጫ ተራ ክህሉዎ ከም ዝኽእል ተንተንቲ ይዛረቡ።

ብኣገልግሎት ዜና ኣሾሽትድ ፕረስ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝተገብረ ህዝባዊ ዳህሳስ ኣስታት ፍርቂ ኣመሪካውያን ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ በቲ ዝተጻወቱዎ ኣሉታዊ ተራ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ይድግፉ።

XS
SM
MD
LG