ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትንተና ህልው ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ- ዶ/ር ሚኪኤል ወልደማርያም


 ዶ/ር ሚኪኤል ወልደማርያም
ዶ/ር ሚኪኤል ወልደማርያም

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዙሕ ፍጻመታት ኣሎ። ብዛዕባ’ዚ ዞባ ትንተና ክህበና ንዶክተር ሚኪኤል ወልደማርያም ዓዲምናዮ ኣሎና። ዶ/ር ሚኪኤል ኣሶሸትድ ፕሮፈሰር ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ዳይረክተር ማእከል ምርምር ኣፍሪቃ ኣብ ቦስተን ዩኒቨርስቲን’ዩ።

ሕቶ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣቢሉ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ተስፋ ዝተነብሮ ዞባ ተባሂሉ ይጥቀስ ነይሩ፡ ሕጂ ግን ኣብ ምንታይ ኵነት ከም ዘሎ ከተብርሃለይ?

መልሲ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሕንፍሽፍሽ ከም ዘሎ ዘከራኽር የብሉን። እዞ ዞባ ንነዊሕ እዋን ሰላም ዘይጸንሖ ደኣ ይዅን እምበር፡ ሕጂ ግን ኣብ ፍጹም ዕንወትን ዕግርግርን’ዩ ዘሎ። ኣብ 2018/19 ጽቡቕ ተስፋ ደኣ ይንበሮ እምበር እቲ ሕልሚስ በኒኑ’ዩ ይብል። እቲ ዞባ ካብታ ኣብ ፍጹም ኲናት ሓድሕድ ዘላ ኢትዮጵያ፣ ቅድሚ ትማሊ ፍሹል ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ዝተኻየደላን ገና ዘይረግአትን ሱዳን፣ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝጽበያ ዘለዋ ከም በዓል ኤርትራ፡ ጂቡቲ፣ ሶማል፡ ደቡብ ሱዳን ወዘተ. ኵላተን ኣብ ሕማቕ ቅርጺ’የ ዘለዋ። ብተዛማዲ ዝሓሸ ርግኣት ዘለዋ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ጥራይ’ያ። ብዘይካ’ቲ ውሽጣዊ ዘይርግኣት፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ምትፋንና (ከምእኒ ናብ ኲናት ክዓርግ ዝኽእል ዶባዊ ግርጭት ሱዳንን ኢትዮጵያን)’ውን ካልእ ኣሻቓሊ ጉዳይ’ዩ። ዋላ’ኳ ንደገ ዝወጸ ደኣ ኣይዅን እምበር፡ ኣብ መንጎ ብዙሓት ሃገራት እዚ ዞባ ግን ምትፍናን ኣሎ።

እቲ ዝኸፍአን ነዚ ዘሎ ዞባዊ ግርጭት ዘግድዶን ከኣ ናይ ኣህጉራውያንን ዞባውያንን ሓይልታት ጽልዋ’ዩ። ሃገራት ከሊጅ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ቱርኪ፡ ግብጺ፡ ቻይና፡ ራሻ፡ ኣመሪካ፡ ሃገራት ኤውሮጳ ወዘተ. ኵላተን በበይኑ ረብሓታት ኣለወን። እዚ ከኣ ተደማሚሩ ነቲ ግጭት ነዳዲ ኣብ ምውሳኽ ተራ ኣለዎ።

ሕቶ፡ እዚ ክመጽእ ይኽእል ኢልካ ገሚትካ ኔርካ’ዶ?

መልሲ፡ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝነበረ መሰጋገሪ እንተ ርኢናዮ ዘይተርፍ ምዃኑ የመልክት ነይሩ። ካብ ሓደ ጸቓጢ ስርዓት ናብ ካልእ ክፉትን ደሞክራሲያዊን መገዲ ክሰግር ከሎ፡ ኵሉ ግዜ ልሙጽ መገዲ ኣይንጽበን ኢና። ክሳብ ክንድ'ዚ ይኸፍእ’ዩ ዝብል ግምት ግን ኣይነበረንን።

ሕቶ፡ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን ኣብ ፍጹም ኲናት ሓድሕድ’ያ ዘላ’ሞ፡ ካብዚ ኲናት’ዚ ዝረብሕ መን’ዩ?

መልሲ፡ ብግምተይ ረባሒ ኣካል ዘሎ ኣይመስለንን። ናይ ርሑቕን ቀረባን ዕላማታትን ሕልሚታትን እቶም ኣብቲ ኲናት ኣትዮም ዘለዉ ወገናት ምስ እንርኢ፡ እዚ ዘሎ ኲናት ንዝኾነ ኣካል ዘርብሓ ኣይመስለንን። ካልኦት ኣብቲ ዞባ ረብሓ ዘለዎም ናይ ደገ፡ ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ሓይልታት’ውን ካብዚ ኲናት’ዚ ረብሓ ዘለዎም ኣይመስለንን። ኵላቶም ኣብዚ ኲናት ኢድ ዘለዎም ወገናት፡ ረብሓታቶም ብሰላማዊ መገዲ ጥራይ ከውሕሱ ከም ዝኽእሉ ርዱእ’ዩ።

ሕቶ፡ ብዙሓት ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ውዱባት ወይ ሓያላት ሃገራት ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት ደው ንምባል ምቍራጽ ተጻብኦታትን ዘተን ይጽውዓ ኣለዋ። ነዚ ቅድመ-ኩነት’ዚ ዝሰማምዑ’ዶ ይመስለካ? ንዕኡ ንምግባር’ከ እንታይ ቅድመ-ኩነታት’ዩ ዝሕተት ዘሎ?

መልሲ፡ ብዂናትን ውትህድርናን ዝፍታሕ ግጭት ዘይምዃኑ ኣዝዩ እናነጸረ ይመጽእ ኣሎ። እዚ ኲናት እንተ ቀጺሉ ድማ እቲ ሳዕቤናት ኣዝዩ ክዓቢ ምዃኑ ከኣ ርዱእ’ዩ። ንዅላቶም ተቐናቐንቲ ወገናት ናብ ጠረጴዛ ከምጽኦም ዝኽእል ድርኺት ግን ኣሎ። ኣብ ባይታ ኲናት ዝወርድ ዘሎ ዕንወታት ሓደ ካብቲ ንዘተን ምቍራጽ ተጻብኦታትን ድርኺት ዝገብር’ዩ። ካልእ ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ሓይልታት ዝወስዱዎ መርገጺን ድርኺትን’ዩ። ብዘይክኡ ግብረ-መልሲ ናይቶም ኣብቲ ኲናት ዝኣትዉ ዘለዉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተራ ክህሉዎ’ዩ። መወዳእታ ክርእዩ ምስ ዘይክእሉ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ክተት ዳግም ንኽሓስቡን ክምርምሩን ክግደዱ’ዮም።

ሕቶ፡ ርእይቶኻ ኣብ ጉዳይ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዝሃቦ፡ ንእገዳ ዝምልከት ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ?

መልሲ፡ እዚ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ መጀመሪ ናይቲ ብሕጂ ክውሰድ ዝኽእል ማዕቀባት ደኣ’ምበር ንባዕሉ ማዕቀብ ዘይምዃኑ ምዝኽኻር የድሊ። ኣብ ግብሪ እንተ ውዒሉ ንዝምድና ኣመሪካ ምስ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣዝዩ ክጸልዎ ምዃኑ ርዱእ’ዩ። ብኣናብባይ ግን እዚ ዓይነት ስጉምቲ ነቶም ተቐናቐንቲ ወገናት ጸቕጢ ንምግባርን ንዘተ ክቕበሉ ምድራኽን ይመስለኒ።

ሕቶ፡ ካብቶም ኵላቶም ኣብቲ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብትሪ ክነጽጎ እንከሎ፡ ህወሓት ግን ንባዕሉ ኣብቲ ክህሉ ዝኽእል ማዕቀብ’ውን ተጠቒሱ እንከሎ ከም ዝተቐበሎ ኣመልኪቱ ኣሎ። ኣርኣእያኻ ኣብዚ ጉዳይ?

መልሲ፣ ኣብ ዘተ ጠረጴዛ ምስ ቀረቡ ክርአ ዝኽእል ደኣ ይዅን እምበር፡ ሕጂ ድልውነቶም ንዘተ ጥራይ’ዮም ኣመልኪቶም ዘለዉ። እቲ ዘተ ምስ ዝፍጸም ዝወስዱዎ ስጕምቲ ብሕጂ ዝርአ’ዩ። ንኽትዛት ምስምማዕን ኣብቲ ዝግበር ዘተ ነቲ ዝቐርብ ቅድመ-ኩነታት ምቕባልን በብይኑ’ዩ። ብኻልእ ኣናብባ ከኣ ህወሓት ብዂናት ዝውዳእ ግጭት ዘይምዃኑ ዘስተወዓሉ ይምስሉ። ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብ ቅድሚ’ቶም ንዘተ ዝጽውዑ ዘለዉ ኣመሪካን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ንምፍታሕ እቲ ግጭት ቅሩብነት ከም ዘለዎም ንምርኣይን ጽቡቕ ስም ንምግዳፍን’ውን ክኸውን ይኽእል። እዚ ድማ ኣህጉራዊ ደገፍ ንምርካብ ክኽሕግዞም ዝኽእል’ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

ትንተና ህልው ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ- ዶ/ር ሚኪኤል ወልደማርያም
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:48 0:00


XS
SM
MD
LG