ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትራምፕ ኣብ ማር-ኣ-ላጎ ዝርከብ መንበሪኦም ብኤፍ.ቢ.ኣይ ምፍታሹ ይገልጹ


ትራምፕ ኣብ ማር-ኣ-ላጎ ዝርከብ መንበሪኦም ብኤፍ.ቢ.ኣይ ምፍታሹ ይገልጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:15 0:00

ትራምፕ ኣብ ማር-ኣ-ላጎ ዝርከብ መንበሪኦም ብኤፍ.ቢ.ኣይ ምፍታሹ ይገልጹ

ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ፍሎሪዳ ማር-ኣ-ላጎ ዝርከብ ገዘኦም ሰኑይ ብቤት ፅሕፈት ፌደራል ምርመራ (FBI) ድሕሪ ምፍታሹ ፖለቲካዊ ምኽልባት ይበፅሖም ምህላዉ ጠሪዖም። እቲ ኩነታት ንነዊሕ እዋን ዝካየድ ዘሎን ኣካል ናይቲ ትራምፕ ካብ ቤት ፅሕፈቶም ክወፁ ከለዉ ናብ ሃገራዊ ቤተመዛግብቲ ክኣትዉ ዝግበኦም ሰነዳት ናብ ገዘኦም ወሲዶሞም ዝተባህለ ከይዲ ኣርመራ መቀ፟ፀልታ ይመስል።

ነቲ ኣብ ፍሎሪዳ ማር ኣ ላጎ ዝርከብ መንበሪኦም ድሕሪ ምምርማሩ እቶም ፕረዚደንት ነበር ብዴሞክራሲያውያን ይወርዶም ዘሎ ፖለቲካዊ ማህሰይቲ ኣምሲሎም ንርእሶም ግዳይ ገይሮም ከቅ፟ርቡ ተራእዮም እዮም። ትማሊ ሰሉስ ንመተኣኻኸቢ እቶት ኣብ ዝሰደድዎ ኢሜል "ደገፈይ ዝረኸቡ ሕፁያት ዓበይቲ ዓወታት ክሓፍሱ ርእዮምን ከምኡ'ውን ኣብ ኩሉ ዝተገብረ መፅናዕቲ ዓብላላሊነተይ ምስተዓዘቡ ንዓይን ንፓርቲ ሪፓብሊካንን ደጊሞም ደው ከብሉና ይፅዕሩ ኣለዉ" ኢሎም።

እቲ ብፌደራላዊ ዳኛ ዝተፈረመ ትእዛዝ መሰረት ገይሩ ዝተኻየደ ምርመራ ዋይትሃዉስ ዘተሓባበሮ ኣይነበረን። ፕረዚደንት ጆ ባይደን እውን ነቲ ጉድይ ካብ ፀብፃባት ዜና እዮም ሰሚዖምዎ ክብላ ወሃቢት ቃል ዋይት ሃዉስ ካሪን ዥን ፒየር ሓቢረን።

"ብዛዕባ እዚ ኩነታት ቀዲሙ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣይነበረን። ፕረዚደንት ባይደን ቅድሚ ፕረዚደንት ኮይኖም ምምራፆም ኮነ ስራሕ ድሕሪ ምጅማሮም ዘነፀርዎ ክፍሊ ፍትሒ ዘካይዶም ኩሎም መርመራታት ርእሱ ኪኢሉ ከምዝመርሖም እዩ። ብልዕልና ሕጊ ይኣምኑ እዮም።"

ኣብ ዩኒቨርስቲ ጆርጅ ዋሽንግተን ዳይሬክተር ፕሮግራም ፖለቲካዊ ምሕደራ ዝኾኑ ታድ ቤልት እዚ ዘይተለመደ ከይዲ መርመራ ኤፍ.ቢ.ኣይ ዘርእዮ ኣብ ልዕሊ እቶም ፕረዚደንት ነበር ዝካየድ ፌደራላዊ መርመራ ዓብዪ ምዕባለ ከምዝገበረ እዩ ይብሉ።

"ቀሊል እዩ ከምፖለቲካዊ ጌም ገይርካ፤ ምምሕዳር ባይደን ዓብለልቲ ፕረዚደንታዊ ሕፁያትን ወፍሪ ትራምፕን ንምትዕንቃ፟ፍ ዝገብርዎ ዘለዉ እዩ ኢልካ ክትሓስብ ምፍታን። ይኩን እምበር ኣብዚ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ሕጊ እዩ። ኣብ 1978 ዝፀደቀ፟ ፕሬዝዳንታዊ ሰነዳት ዝበሃል ሕጊ እቲ ፕረዚደንት ዝግልገለሎም ዝነበሩ ናውትታትን ሰነዳትን ኩሎም ናብ ሃገራዊ መዛግብቲ ክኣትዉ ከምዘለዎም ዝሕብር እዩ ። እዞም ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ግን ኣይተግበርዎን።"

ኣብ መፈለምታ እዚ ዓመት ሃገራዊ ቤተ መዛግብቲ ንቤት ምኽሪ ኣብ ማር ኦ ላጎ ንዝተሓብኡ ናውቲ ሓዊሱ 15 ሳፁናት ምርካቡ ንቤትምኽሪ ምፍላጡ ዝዝከር እዩ። ትራምፕ ደጊሞም ንፕረዚዳንትነት ከምዝወዳደሩን ምግላፆም ቀፂሎምሉ ኣለዉ።

ንግዚኡ እውን እንተኾነ እዚ ጉዳይ ምርመራ ፅቡቅ፟ ኣጋጣሚ ፖለቲካዊ ሃብቲ ክኾነሎም ይኽእል እዩ ዝብላ ድማ ኣብ ዩኒቨርስቲ ቴክሳስ ኦስተን መምህር ፕረዚዳንታዊ ፖለቲካ ሻኖን ቦው ኦብራየን ከምዚ ይብላ ።

"ኣብ ምትእኽኻብ እቶት ክሕግዞ እዩ። ድሮ እኳ ካብ ሰዓብቱ ብዙሓት ዝድንግፅሉ ረኺቡ ኣሎ ። ድሕሪ ግዜ ግን ናብ ፀገም ከእትዎ ይኽእል እዩ ። እዚ ናብ ዝኸዶ የብሉን ኩል ግዜ ኣብኡ ኣሎ፣ ዘይግባእ ባህሪ ከርኢ እንተጀሚሩ ከከስዎዎ ዝኽእሉ ነገራት ኣብኡ ኣለዉ እዮም። ብቀሊሉ ካብ ጠረጴዛኻ ክተፅርዩም ዝከኣሉ ኣይኮኑን።"

ትራምፕ ምስ 6 ጥሪ 2021 ኣብ ካፒቶል ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ተተሓሒዙ ንዝነበሮም ግደ ዝምርምርን ከምኡ እውን ምስ ፕረዚዳንታዊ ምርጫ 2020 ተተሓሒዙ ንዝነበሩ ዘይሕጋዊ ውንጀላታትን ርክባትን ዝፍትሹ ካልኦት ሕጋዊ ክትትላት ጭንቀቶም እዩ።

XS
SM
MD
LG