ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትራምፕ ሓድሽ ማሕበራዊ መራኸቢ ንምኽፋት ኣብ ምጽፋፍ ከም ዘለዉ ኣዊጆም


ብ6 ጥሪ 2021 ኣብ ህንጻ ባይቶ ኣመሪካ ዝተኻየደ ናዕቢ ብዝተጻወቱዎ ኣሉታዊ ተራ ካብ ማሕበራዊ መራኽቢታት ካብ ዝኽለከሉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣቚጺሮም ዘለዉ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ናይ ባዕሎም ማሕበራዊ መራኸቢ ክጅምሩ ምዃኖም ትማሊ ረቡዕ ኣፍሊጦም።

ንሓቂ ዝቘመ ምዃኑ ብምእማት፡ "Truth Socil" (ማለት “ሓቀኛ ማሕበራዊ”) ዝብል ስም ሒዙ ዘሎ ትካል፡ ነቶም ድምጹ ከም ዝዓፈኑዎ ዝነቕፎም ዓበይቲ ትካላት ማሕበራዊ መራኸቢታት ከምእኒ ትዊተርን ፈይስቡክን ክወዳደርን መተካእታ ድምጺ ክኸውን ምዃኑን ትራምፕ ኣመልኪቶም ኣለዉ።

“ጣሊባን ኣብ ትዊተር ዝዓበየ ቦታ ክሕዙ እንከለዉ፡ እቲ ፍቱው ፕረዚደንት ነበር ድማ ዝዕፈነሉ ዓለም ኢና ዘሎና፡” ዝበሉ ትራምፕ፡ “እዚ ፍጹም ቅቡል ኣይኰነን” ክብሉ ወሲኾም ሓቢሮም።

“ትሩዝ ሶሻል” ዝመጽእ ወርሒ ናብ ህዝቢ ክዝርጋሕ መደብ ወጺኡ ኣሎ። ኣብ ርእሲ’ቲ ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ብትራምፕ ዝምወል ቲ.ኤም.ቲ.ጂ (TMTG) ዝተሰምየ ካልእ ትካል’ውን ንቪድዮን ካልእ ተመሳሳሊ ፍርያትን ክቕርብ ኣብ ምድላው ከም ዘሎ ተገሊጹ። ብመሰረት ጸብጻብ ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ እቲ ነዊሕ ተታሒዙ ዘሎ ዕላማቲ.ኤም.ቲ.ጂ ኣብ ዝተናውሐ እዋን ምስ በዓል ኔትፍሊክስ (Netflix): ዲዝኒ ፕላስ (Disney+) ወይ ኣማዞን ክወዳደር’ዩ ፡፡

XS
SM
MD
LG