ወዲ 42 ዓመት ኣፍሪቃዊ ኣመሪካዊ ነባሪ ሳንታ ሞኒካ ካሊፎርንያ ዝኾነ ዓብዱል ስሚዝ፥ ዝሓለፈ መጋቢት ሰለስተ ኣብ ክፍለ ግዝኣቱ ኣብ ዝነበረ መባእታዊ ምውሃብ ድምጺ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ድምጺ ክህብ ሽዱሽተተ ግዜ ፈቲኑ።ይኹን ደአ እምበር ኣብ ነቑጣታት ድምጺ ዝነበረ ነዊሕ መስርዕ፡ ኣብ ነብስወከፍ ግዜ ዕድል ክህቦ ኣይክኣለን።
ንሱ ንድምጺ ኣሜሪካ ክዛረብ ከሎ፥ "ወዲ 18 ዓመት ካብ ዝመላእኩሉ ጀሚረ፡ ድምጺ ከይሃብኩ ክሓልፍ ንመጀመርያ ግዜ' ዩ፡ ኣብ ዘዝኸድክዎ ግዜ ነዊሕ ካብ ክልተ ሰዓት ትጽቢት ዘይሓጽር ነዊሕ መስርዕ'ዩ ጸኒሑኒ" ይብል።
ካሊፎርንያ ሕጂ ኣድመጽቲ ካብ ዝደለይዎ ግዝኣታት ኣመሪካ ኮይኖም ከድምጹ ኣፍቂዳትሎም ኣላ።
ብኻልእ ወገን፡ ንኸድምጹ ክሳብ ሸውዓተ ሰዓት ዝተጸበዩ'ውን ኣለዉ -። ንኣብነት ነዊሕ ሪጋ መስርዕ ካብ ዝተረኣየለን ከተማታት ሓንቲ ሂዩስተን ቴክሳስ ትጥቀስ። ኣብኡ ኣለክስ ፓልመር ዝተባህለ ኣድማጻይ፡ ንናይ ቨርሞንት ሰነተር በርኒ ሳንደርስ ንምምራጽ ኣስታት 5 ሰዓታት ከምዝተጸበየ የማርር።
" እዚ ምርጫ'ዚ ክሕለፍ ዘይክእል ኣገዳሲ'ዩ" ይብል እዚ ኣብ ቀረባ ካብ ኮለጅ ዝተመረቐ መንእሰይ " ዝወስዶ ግዜ ብዘየገድስ ኣብዚ ምርጫ ድምጸይ ክቑጸር ኣለዎ” ይብል። ፓልመር ዘድምጸሉ ከባቢ ዩኒቨርሲቲ ደቡባዊ ቴክሳስ ኮይኑ ብታሪኹ ጸለምቲ ዝምሃርሉ'ዩ። ኣብዛ ከተማ ብዝሕ ዝበሉ ጸለምትን ሂስፓኒክን ከምዝነብሩ'ውን ይፍለጥ። እዚ ኣብ መውሃቢ ድምጺ ዘሎ ነዊሕ ሪጋ ኣብ ካሊፎርንያን ቴክሳስን ጥራይ ኣይኮነን። ከም ኣብ ፍሊሪዳ፡ኦሃዮ፡ ኤለኖይ፡ኣሪዞና፡ ዝበላ 24 ግዝኣታት ከምኡ'ውን ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ትዕግስቲ ዘወድእ ምድንጉያት ኔሩ'ዩ።
ኣብ ፋርጎ ኖርዝ ዳኮታ፡ ኣማኢት ኣድመጽቲ፡ ኣብቲ ትሕቲ 10 ዲግሪ ሰልሰስ ዝኾነ ቁሪ ንልዕሊ ክልተ ሰዓት ተጸብዮም'ዮም።
እዚ ጸብጻባት ምድንጓይ ምውሃብ ድምጺ ዝስማዕ ዘሎ ደሞክራት ኣድመጽቲ፡ ኣብቲ ዝመጽእ ወርሒ ሕዳር ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ፡ ንፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ክገጥም ዝኽእል ሕጹይ ንምምራጽ ሪኮርድ ቁጽሪ ኣብ ዝወጽሉ እዋን'ዩ።
ብዘይካ'ዚ እዚ ጸብጻብ'ዚ ዝስማዕ ዘሎ፡ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣድመጽቲ ጸቕጢ ይርኣይ'ዩ ዝብል ክስታት ኣብ ዝተሓደሰሉ እዋን'ዩ።
ንሓደ ማእከል ሕጊ ጉዳይ ድኽነት ትሰርሕ ካረን ሾርት፥ ኣብ ምድማጽ ዘጋጥም ጸገማት ኣብ ተመሳሳሊ ዓይነት መነባብሮ ዘለዎም ሰባት ከምዝርኤ ትገልጽ።
"ነዊሕ መስርዕ ዝርኣዮ መደበራት ምርጫ እንተርኢና፡ ከም ጸለምትን ሂስፓኒክን ዘለውሉ፡ ወይ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ዝነብርሉ፡ ወይ መንእሰያት፡ ወይ ድማ እኹል መጓዓዝያ ዘይረኽቡ ሰባት ዝነብርሉ ከባቢ'ዩ" ትብል።
ኣብ ኣድመጽቲ ዝርኣይ ምጉናይ ኣብ ፖለቲካ ኣሜሪካ ሓዲሽ ከምዘይኮነ ትገልጽ ካረን ሾርት፥ኣብ ታሪኽ በብእዋኑ ዓፈንቲ ሕግታት ክወጹን ክመሓየሹን ጸኒሖም'ዮም፥ ኣብ 1965 እዩ መሰረታዊ ዝኾነ ጸረ ዓሌታዊነት ሕጊ ኣድመጽቲ ክወጽእ ዝኸኣለ ትብል።
"ሓደ ካብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክፋል ናይቲ ዓንቀጽ ሕጊ፡ ቅድሚ ሽዕኡ መሰል ኣድመጽቲ ዝድርታ ዝነበራ ዝተወሰና ግዝኣታት፡ ኣብ ሕጊ ከባቢአን ዝኾነ ለውጢ ክገብራ እንተኾይነን፡ ካብ ፈደራል ፍቓድ ክረኽባ ዝቕሰባ ምዃነን'ዩ " ትብል እዛ ጠበቓ ሕጊ። እቲ ሕጊ'ቲ፥ መንግስቲ ፈደራል ዝኾነ ንምውሃብ ድምጺ ዓንቃጺ ዝኾነ ሕጊ ክስዕሮ ከምዝኽእል ዘፍቅድ' ዩ።
ቅድሚ 1965፥ 23% ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን ጥራሕ'ዮም ኣድሚጾም። እቲ ቁጽሪ ክሳብ 1969 ናብ 61% ደይቡ። እዚ ሕጊ'ዚ ንዳርጋ 50 ዓመት ምስ ሰርሐ፡ ቅድሚ 7 ዓመት ማለት ኣብ 2013፡ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ፥ ኣብቲ ሸልቢን ሆልደን ተባሂሉ ዝፍለጥ ውሳነ፡ እቲ ዝጸንሐ ፍሉይ መሰል ደጊም ኣድላይ ኣይኮነን ኢሉ ወሲኑ።እንተኾነ ካረን ሾርት ኣብ ዝሓለፈ 7 ዓመት ዳታ ዘርእዮ ካልእ’ዩ ኢላ ትኣምን።
ብኻልእ ወገን፡ ማእከል በርናን ንፍትሒ ዝተባህለ ማእከል፡ 25 ግዝኣታት ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ሓዲሽ ደረት ምድማጽ ከምዘውጽኣ ይገልጽ።
ድሕሪ ብይን ሸልብን ሆልደን ዝወጹ ደረታት፡ ሓዲሽ ሕቶ ወረቐት መንነት፡ ምሕጻር ቅድመ-ምድማጽ፥ መደበራት ምርጫ ምዕጻው የጠቓልል ይብል።
ጉባኤ መሪሕነት ሲቪላውን ሰብኣውን መሰላት ዝተባህለ ትካል፡ ኣብ ዝሐለፈ 6 ዓመታት ኣብ 13 ግዝኣታት 1688 ከባብታት ምርጫ ከምዝተዓጽወ ይሕብር። እዚ ኸባብታት'ዚ ድማ ውሑዳን ሕብረተሰብ እናበዝሑ ዝመጽሉ ዘለዉ ምዃኑ ይገልጽ።
ብዙሓት ሪፓብሊካን እዚ ምዕጻዋት'ዚ ብምኽንያት ምድንጋር ድምጺ ኣገዳሲ'ዩ ይብሉ።
ኣብ 2017 ኣብ ሓብቲ ናይ ዳላስ ጋዜጣ ዝጸሓፈ ኣመሓዳሪ ቴክሳስ ግርክ ኣቦት ንኣብነት፡ ሓቅነት ሳጹን ድምጺ ምርግጋጽ ሓደ ካብ መሰረታዊ ተግባራት መንግስቲ'ዩ ኢሉ ኔሩ፥ ኣብ ቴክሳስ ዘይሕጋዊ ድምጺ ከይውሃብ ዝያዳ ክንሰርሕ ኣለና ኢሉ ኔሩ። ትካላት ሲቪላዊ መሰላት ግን፡ ምድንጋር ድምጺ ከቢድ ጸገም ምዃኑ ዘርኢ ወላ ሓደ መርትዖ የለን ይብላ።እንተሎ'ውን ኣዝዩ ኣዝዩ ትሑት'ዩ ትብል ካረን ሾርት።
ብዛዕባ ዝመጽእ ምርጫ ንምዝራብ፡ ኣብዚ ሰሙን'ዚ መባእታዊ ምርጫ ተካይድ ኣሪዞና፡ 20% ነቑጣታት ምርጫ ተዓጽዩ'ሎ። ኣብ ጆርጅያ ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ምርጫኣ ዝተናውሐ ጂርጅያ፡ ብዙሓት ውሑዳን ሕብረተሰብ ዝነብርሉ ከባብታት ከይተረፈ ከም ብሓዲሽ ከም ዝወዳደብ ኮይኑ'ሎ። 7 ወረዳታት ኣብ ሓደ ጥራይ ከድምጻ ኮይኑ'ሎ። ቅድሚ ሓፈሻዊ ምርጫ ወርሒ ሕዳር ምምጽኡ ምምሕዳራት ካብ ጸገማተን ተማሂረን ከተዓራርያ ክኢላታት ሕጊ ይመኽሩ።
ጠበቓ ውሑዳን ኣባላት ሕብረተሰብ ካረን ሾርት ኣብ መወዳእታ፡ ገለ ሰባት ነቲ ነዊሕ መስርዕ ምውሃብ ድምጺ ከም መርኣያ ዝወጸ ብዝሒ ሰብን ክድነቕ ዝግብኦን ከም ዝኾነ ይርእይዎ፡ እንተኾነ እቲ ሓቂ መርኣያ ጸቕጢ ድምጺ'ዩ፡ ቅኑዕ ኣይኮነን ንደሞክራሲና ዝጎድእ'ዩ ትብል።