ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብኤርትራዊ ባህላዊ ኣልባሳት ደሚቑ ዘምሰየ ሽልማት ግራሚ


ስነ ስርዓት ሽልማት ኣብ ምጅማሩ መራሒት’ቲ መደብ ህብብቲ ድምጻዊት ኣሊሻ ኪ ዝበለጸ ስርሓት ንዘዳለው ስነ ጥበባዊያን ንምጽንባል ኣብ ዝተዳለወ ኣብዚ ዝዓበየ ናይ ሙዚቃ ምሸት ብጣዕሚ ጉሂና ኢና ንርከብ ክትብል ብዛዕባ’ቲ ትማሊ ሰንበት ኣብ ካሊፎንያ ብዘጋጠመ ምውዳቕ ነፋሪት ዝሞቱ ህቡብ ተጻዋታይ ባስኬት ቦል ኮበ ብራያትን ጓል 13 ዓመት ጓሉ ዝርከብዎም ትሸዓተ ሰባት ዝተሰምዓ ሓዘን ገሊጻ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ድማ ንዝኽሪ ኮበ ብራያትን ኣብዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መጋቢት ንዝሞተ ህቡብ ድምጻዊ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ኒብሲ ሃስል(ኤርምያስ ኣስገዶም) ፍሉይ ምርኢት ቐሪቡ ኔሩ።

ራፐር ነብሲ ሃስል ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ዝተኻየደ መበል 62 ሽልማት ግራሚ ክልተ ሽልማት ረኺቡ’ዩ። እቲ ቐዳማይ ሽልማት ኣብ”ሃየር” ትብል ሙዚቃ ዲጄይ ካሊድ ዝተጻወቶ ፊቸርሪንግ ክከውን ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ቕድሚ ምሟቱ ቑሩብ ሰሙናት ዘውጽኦ “Racks in the Middle” ትብል ናይ ሮዲ ሪቺን ሂትቦይን ሙዚቃ ንዝተጻወቶ ፊውቸሪንግ እዩ።

ኣብቲ ትማሊ ኣብ ስቴፕል ሰንተር ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ዝተኻየደ መበል 62 ሽልማት ግራሚ እቲ “ሃየር” ዝብል ሙዚቃ ብዲጄይ ካሊድን ጆን ለጀንድን ዝቐረበ ክከውን ከሎ ንዝኽሪ ኒብሲ ሃስል ሳዕሳዕቲ ንባህላዊ ኣልባሳት ኤርትራ ተኸዲዶም ምርኢት ኣቕሪቦም ኔሮም።

ነቲ ሙዚቃ ዘቕረቡ ክልቲኦም ስነ ጥበባዊያን ዲጄይ ካሊድን ጆን ለጀንድን ድማ ነቲ ሽልማት ንክብሪ ነብሲ ሃስል ወፍዮም።

ጆን ለጀንድ “ብጣዕሚ ኢና ንፈትዎ። ብኸምዚ መንገዲ ንዕኡ ምስኣና ድማ ብጣዕሚ ሕማቕ ይስምዓና። ነቲ ናቱ ሓድጊ ድማ ብከምዚ መንገዲ ንሎሚ ምሸት ክንቐመሉ ምፍቓድኹም ነመስግን” ክብል ከሎ ዲጄይ ካሊድ ድማ “ኒብሲ ሃስልን ኮበ ብራያትን ኩሉ ጊዜ ኣብ ልብና ኢኹም “ ኢሉ።

ገለ ካብ ተዓወቲ መበል 62 ሽልማት ግራሚ ጓል 18 ዓመት ቢሊ ኢሊሽን ሓዋ ሓዋን ብሓሙሽተ ዝበለጸ ምድብ ክትዕወት ከላ ሊዞ ድማ ብሰለስተ ምድብ ተዓዋቲት ኮይና’ላ።

ዝበለጸ ኣልበም’ዚ ዓመት’ዚ “when we all fall asleep, where do we go?” ትብል ናይ ቢሊ ኢሊሽ ክትዕወት ከላ ዝበለፀ ሪከርድ’ዚ ዓመት’ዚ ድማ “Bad Guy” ትብል ናይ ቢሊ ኢሊሽ ተዓዊታ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሽልማት ግራሚ ቀዳመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣመሓዳሪት’ቲ ትካል ዝኾና ዲቦራ ደጋን ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ሓላፍነተን ድሕሪ ምእላየን’ዩ ዝካየድ ዘሎ ንሰን ካብ ሓላፍነት ዝተአለያ ብዝቐረበለን ክስታት ምስ ድምጺ ምውሃብ ዝተሓሓዝ ዘይግቡእ ስነ ምግባር ዝብል ምዃኑ ሓቢረን ኣለው።

XS
SM
MD
LG