ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቴክኖሎጂ ኣብ ቤጂንግ ኦሎምፒክ ስኽፍታት ይፈጥር


ኣብ ናይ 2022 ቤጂንግ ዊንተር ኦሎምፒክ ቻይና ከም ኣካል ዝውሰድ ጥንቃቐ ለበዳ ናይ ኣትሌታትን በፃሕትን ድሕነት ንምውሓስ ቴክኖሎጂ ኣብ ምጥቃም ትርከብ።ንበፃሕቲ ግን ምጥቃም ቴክኖልጂ ስኽፍታታት ድሕነትን ናይ ውልቂ ነፃነትን ሕዚ ይመፅእ።

ኣርባዕተ ግዜ ኣብ ውድድር ኦሎምፒክ ዝተሳተፈ ክሪስ ማዝደር ብሰንኪ እቲ ለበዳ ናይዚ ዓመት ውድድራት ፍሉያት እዮም ይብል።ውዕውዕ ደገፍ ዝህቡ ብዙሓት እኩባት ሰባት የለውን።

‘’ምሉእ ናይ ኦሎምፒክ ሃዋህው ዘይብሉ ሓዱሽ ነገር እዩ’’ በለ ንሱ።

ኣቴሌታትን በፃሕትን ምክትታል ኮቪድ 19 ዝግበረሎምን ዝድቅስሉ፣ዝምገብሉን ዝወዳደርሉን ካብ ቤጂንግ ዝተፈለየ ናይ ኦሎምፒክ ቦታ ብሰንኪ እቲ ለበዳ ናይቲ ኦሎምፒክ ፀዋታ ቁሩብ ፍልይ ዝበለን ብዙሓት ቴክኖሎጂታትን ዘለውዎ እዩ።

ብፍላይ ኣብ ቻይና ቴክኖሎጂ ምስ ስኽፍታታት ናይ ውልቂ ሓበሬታን ድሕነትን ይመፅእ።ጉጅለታት ተሓለቕቲ መሰላት ኣብ ልዕሊ ዜጋታታ ናይ ኢንተርኔት ምመያን ዲጂታዊ ምክትታልን ስለ እትገብር ንቻይና ክነቕፉ ፀኒሖም እዮም።

ናይ ሳይበር ድሕነት ስኽፍታታት ብምጥቓስ ናይ ኣሜሪካ ናይ ፌደራል ቢሮ ምርመራ FBI በፃሕቲ ናብቲ ውድድር ኢሎምፒክ ዝካየደሉ ቦታ ክኸዱ ከለው ናይ ኢድ ስልክታቶም ኣብ ገዝኦም ገዲፎም ግዚያዊ ቴሌፎን ክጥቀሙ ምዒዱ እዩ።

Recorded Future ኣብ ዝተብሃለ ትካል ክኢላ ስግኣት ሳይበር ዝኾነት ቻሪቲ ራይት ናይ FBI ምኽሪ ሰፊሕ ምዃኑ ብምሕባር ሰበስልጣን ቻይና ናይ በፃሕቲ ዲጂታዊ ምንቅስቓስ ይከታተሉ እዮም ዝብል ዝፀንሐ ስኽፍታ ነይሩ ትብል። ‘’መንግስቲ ካባኻ ክወስዶ ዝኽእል ዝኾነ ይኹን ናይ ውልቂ ሓበሬኻ ኣይተቃልዕ’’ ትብል።

ሰበስልጣን ኣሜሪካ ቻይናን ካልኦት ሃገራትን ሓበሬታ ንምስራቕን ንምስላልን መጥቓዕትታት ሳይበር ይጥቀማ እየን ክብሉ ይኸሱ።

ኣብ ዊንተር ኦሎምፒክ ቤጂንግ ብመንግስቲ ዝድገፍ መጥቓዕቲ ክፍፀም ኣይኽእልን ይብሉ ክኢላታት ድሕነት ሳይበር።ምኽኒያቱ ድማ ቻይና ምንጭታት መጥቓዕታት ሳይበር ምስ ዝኾና ሩሲያን ሰሜን ኮሪያን ሓዊሱ ብዘለዋ ጥቡቕ ጂኦፖለቲካዊ ርክብ እዩ።

ኣብ 2020 ናይ ቶክዮ ኦሎምፒክን ፓራሊምፒክስን ምስ ሳይበር ዝተኣሳሰሩ ሚሊዮናት ፈተነታት ኣጋጢሞም ነይሮም።ዋላ ሓደ እውን እንተኾነ ግን ኣይተዓወተን ይብል FBI።

ተፃወቲ ዒላማታት ገንዘብ ዝደልዩ ኣጥቓዕቲ ወይ በዚ ኣጋጣሚ ዛዕብኦም ከጉልሁ ብዝደልዩ ኮምፒተር ዝስርስሩ ተንቀሳቐስቲ Hacktivists ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ይብል FBI።ቻሪቲ ራይት ብደረጃ ዓለም ዝካየዱ፣ ዓለም ብምልእታ ዓይና ኣፍጢጣ ንእትከታተሎም ከም ኦሎምፒክ ዝኣመሰሉ ኣጋጣሚታት ተቓውምኦም ንምስማዕ፣ብዛዕባ ዝንቀሳቐሱሎም ጉዳያት ግንዛበ ሓፍ ንምባልን እዞም ኣጋጣሚታት ክጥቀሙሎም ይኽእሉ እዮም ትብል።

ኣብ ወፃእን ውሽጥን መፃውቲታት ኦሎምፒክ ምስፍሕፋሕ ኮቪድ 19 ንምግታእ ኣብ ቻይና ቴክኖሉጂ ቁልፊ ታራ ኣብ ምፅዋት ይርከብ።ከም ናይ ቤጂንግ ኣካል መጠንቀቕታ ኣብቶም ናይ መፃወቲ መድረኻት ሮቦታት ቀንዲ መሳርሕታት እዮም።ምግቢ ይሰርሑን የቕርቡን፣መሬት ይፀርጉ ኣብ መንጎ ሰባት ኣካላዊ ምፍንታት ንክህሊ ይሕግዙ።

በፃሕቲ እቲ ኣፕ ኣብ ስልኮም ክፅዕኑዎን ማዕልታዊ ሙቐት ነብሶምን ሓበሬታ ናይ ቫይረስ ውፂትን ማዕልታዊ ከእትውዎን ይጉደዱ።በቲ ቫይረስ እንተድኣ ተለኺፍካ ካብቶም ውድድራት ክትወፅእ ትግደድ።

ሰበስልጣን ኦሎምፒክ ቤጂንግ እቲ ዝእከብ መረዳእታ ውሱን እዩ ይብሉ።ዩ ሆንግ ሓላፊ ኮሚቴ ቴክኖሎጂ ቤንጂንግ ኦሎምፒክ ኩሉ ሓበሬታ ብጥቡቕ መምርሒ ይእከብ፤ብዓለምለኸ ኮሚቴ ኦሎምፒክን ኮሚቴ ቤጂንግ ኦሎምፒክን ዝግባእ ምይይጥን ተገይርሉ ዝወፀ እዩ ይብል።

ተወዳዳራይ ክሪስ ማዝደር ነቲ ኣፕ ቅድሚ እቲ ውድድር ከምዝፀዓኖ ይዛረብ።’’ብናይ ዳታ privacy እኣምን እየ።ኣብ ስልከይ ዝሓብኦ ወይ ዘሻቕለኒ ዝኾነ ይኹን ነገር የብለይን’’ ይብል እዩ።

ኣትሌታት ማዕረ ነቲ ውድድር ስዒሮም መዳልያ ንምምፃእ ዝፅዕሩዎ ንባዕሎም ካብ ዲጂታዊ መጥቓዕቲ ንምክልኻል እውን ይሰርሑ ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG