ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቴክኖሎጂን ኣርተፊሻል ፍልጠትን ዓለምለኸ ጥምየት ኣብ ምቕላስ አበርኽቶ ከምዘለዎ ተገሊጹ


ናይዚ ዓመት ቀንዲ መልእኽቲ ወይ ቴማ ዓለምለኸ መዓልቲ መግቢን ሸቶ ናይ ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም መግብን ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓዊያን 2030 ‘’ጥምየት ዘይብላ ዓለም’’ ዝብል እዩ።

ኣንፃር ጥምየት ኣብ ዝካየድ ግጥም ምምሕያሻት እንተተመዝገበ እውን መዐቀኒ ዓለምለኸ ጥምየት /Global Hunger Index/ እቲ ምምሕያሽ ኣብ ኩሉ ብተመሳሳሊ ቕልጣፈ ኣይከይድን ዘሎ ይብል።Global Hunger Index ኣብ ናይ 2017 ዓ.ም ሪፖርቱ ከምዝሓበሮ ሎሚ እውን ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሕሱም ጥምየት ከምዘጋጥሞምን ብዙሓት ሃገራት ከቢድ ቅልውላው ሕጽረት መግቢ ከምኡ እውንን ዓፀቦ ከምዘጋጥመን ይሕብር።

ገስጋስ ቴክኖሎጂን ኣርተፊሻል ፍልጠትን ዓለም ንምቅላብ ክሕግዝ ዝኽእል እንተኾነ እውን ኣብ ቀዳማይ ዓለም ዘሎ ቴክኖሎጂ ኣብ ምምዕባል ናብ ዝርከባ ሃገራት ክበፅሕ ፈተናታት ኣለዎ።

ብደረጃ ዓለም ጥምየት ካብ ትሽዓተ ሰባት ነቲ ሓደ ይትንክፎ።ብመሰረት ሰራሕተኛ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ሮበርት ኦፕምኽንያት ጥምየት ድኽነት ጥራሕ ከምዘይኾነ ይገልጽ ።

“ምስ ግጭትን ናይ ተፈጥሮ ሓደጋን ተኣሳሲሩ ብሰንኪ ዝፍጠር ምምዝባል ጥምየት እናወሰኽ ይኸይድ ከምዘሎ ንሪኢ ኣለና።”

ንሶም ብተወሳኺ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ፀገም ውሕስነት መግቢ ብደረጃ ዓለም ንምግጣም ገፆም ናብ ኣርተፊሻል ፍልጠት/ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ/ የዝሩ ከምዘለው ይገልፁ።እዚ ማለት ንሰባት ንምትካእ ዘይኮነስ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ብሰብ ጥራሕ ካብ ዝስራሕ ዝበለፀ ብቴክኖሎጂ ምስራሕ ከምዝክኣል ይሕብሩ።

ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ኣብ ምምዕባል ኣብ ዝርከባ ሃገራት ንዝርከቡ ሓረስቶትን ብግጭትን ተፈጥራዊ ሓደጋን ዝተሃሰዩ ሓረስቶትን ዝሕግዙ ዓብይ መጠን ዘለዎ መረዳእታ ወይ ዳታ ናይ ምትንታን ተኽእሎ ኣለዎም ይብሉ።ሓረስቶት ካብ ስማትፎኖም ክረኽቡዎ ይኽእሉ እዮም።

እቲ ቀንዲ ሽግር ግን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ሓድሽ ቴክኖሎጂ ዝረኽቡ ኣብ መወዳእታ እዩ።ኣብ ዙሪያ ዓለም ካብ ዝርከቡ 815 ሚሊዮን ሓደጋ ጥምየት ዘንጸላለዎም ኣስታት 814 ሚሊዮኖም ስማርትፎን የብሎምን ክብሉ ተንተቲ ይሕብሩ።

XS
SM
MD
LG