ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቴክሳስ ንምንጻል ጥንሲ ኣመልኪታ ዝጸንዐ ሕጊ ኣሕሊፋ


ንምንጻል ጥንሲ ዘገልግል መድሃኒት- ፋይል
ንምንጻል ጥንሲ ዘገልግል መድሃኒት- ፋይል

ግዝኣት ቴክሳስ፡ ድቂ ድሕሪ ሽዱሽተ ሰሙናት ከይንጸል ዝኽልክል እመማ ድሕሪ ምቕራባ፡ እቲ ንድፈ-ሕጊ ብላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ኣመሪካ ተቓውሞ ስለ ዘይገጠሞ፡ ካብ ሎሚ ረቡዕ ኣትሒዙ ኣብ ግብሪ ክውዕል’ዩ። ተጣበቕቲ መሰላት፡ ነቲ ሕጊ ንምብርዓን፡ ንላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ እታ ሃገር ክጽውዑ ደኣ ይጽንሑ’ምበር፡ ዝተጸበዩዎ ተቓውሞ ብዘይ ምስማዑ፡ ተግባራዊ ክኸውን’ዩ።

እቶም ተጠባቕቲ ከም ዝጠቕሱዎ፡ ካብ 85-90% ናይ ኣብ ግዝኣት ቴክሳስ ዝፍጸም ምንጻል ጥንሲ፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ሰሙናት ዝካየድ’ዩ ነይሩ። ስለዚ ከኣ እቶም ተጣበቕቲ፡ ኣብታ ግዝኣት ዝርከባ ኣገልግሎት ምንጻል ጥንሲ ዝህባ ማእከላት ጥዕና መብዛሕትአን ክዕጸዋ ክግደዳ’የን ክብሉ ይምጉቱ።

ተጣበቕቲ ድሕሪ 1973 ከምዚ ዝመስል ንምንጻል ጥንሲ ዝዕንቅጽ ጽኑዕ ሕጊ ኣብ ዝዀነ ግዝኣታት ተተግቢሩ ከም ዘይፈልጥ’ዮም ይገልጹ።

ተጣበቕቲ መሰላት ደቀንስትዮ፡ ነቲ ሕጊ ንምስራዝ ክገብረኦ ዝጸንሓ ጻዕሪ ኣይሰለጠን።

ብመሰረት ሕጂ ናብ ተግባር ክውዕል ትጽቢት ዝገበረሉ ሕጊ ቴክሳስ፡ ካብቲ ዝተባህለ ገደብ ግዜ ወጻኢ ኣብ ምንጻል ጥንሲ ንዝተሳተፈ ዜጋ ክሳብ 10-ሽሕ ዶላር ክቐጽዕ’ዩ።

XS
SM
MD
LG