ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ታይላንድ: መእተዊ ቪዛ ካብ 18 ሃገራት ዝመጹ ገያሾ ሰሪዛ


ታይላንድ ከም አካል ምቁጽጻር ዝርግሓ ኮሮና ቫይረስ ሎሚ ረቡዕ ንመእተዊ ቪዛ ካብ 18 ሃገራት ዝመጹ ገያሾን ናይ ስለስተ ሃገራት ናጻ ቪዛ ምስራዛን ሚንስትሪ ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣቐዲሙ ዜጋታት እዘን ሃገራት ታይላንድ ኣብ ዝኣትውሉ እዋን መእተዊ ቪዛ ክወሃቦም ጸኒሑ’ዩ።

እተን ሃገራት ቡልጋርያ: ቡታን: ቻይና: ታይዋን: ሳይፕረስ:ኢትዮጵያ: ፊጂ: ጆርጅያ ካርዛኪስታን: ማልታ: ሜክሲኮ: ናሩ: ኒው ጊኒ: ሮማንያ: ሩስያ: ስዑዲ ዓረብ: ዩዝበኪስታንን ቫኑታን እዮም።

ኣቐዲሙ ንታይላንድ ንምእታው ቪዛ ዘየድልየን ዝነበሩ ዜጋታት ደቡብ ኮርያ ኢጣልያን ሆንግ ኮንግን ድማ ብዘይ ቪዛ ንታይላንድ ክኣትው ከምዘይክእሉ እቶም ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ታይላንድ ወሲኾም ሓቢሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG