ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ታንዛንያ:ፕረዚንታዊ ምርጫ ተካይድ

ታንዛናውያን ሎሚ ፕረዚደንቶም ክመርጹ ውዒሎም። ብምብሕጓግ ደሞክራስን ጉድለት ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ዝንቀፍ ፕረዚደንት ጆን ማጉፉሊ፥ 14 ተወዳደርቲ ሕጹያት ገጢሞሞ ኣለዉ። ንሱ ንካልኣይ ተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመት`ዩ ክስዕር ደልዩ። ቀንዲ መወዳድርቱ ኣብ 2017 ንስክላ ካብ ቅንጸላ ዘምለጠ- ቱንዱ ሊሱ ይብሃል።

ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላት፥ ንመንግስቲ ማጉፉሊ ንናጻ ፕረስ ብምዕፋን ይኸሱ። ታንዛንያ ሓደ እዋን ኣብቲ ዞባ ደሴት ሰላምን ርግኣትን ምንባራ ይፍለጥ።

This item is part of
XS
SM
MD
LG