ዋሽንግተን —
ታንዛንያ ኣብ እምባ ኪሊማንጃሮ ቅልጡፍ ኢንተርነት ተኺላ።
ሚንስትር ዜና`ታ ሃገር ታንዛንያ ከም ኣካል ቁጠባዊን ማሕበራውን ዕብየት ኣብ ጫፍ`ቲ ዝዓበየ እምባ ኣብ ኣፍሪቃ ኢንተርነት ክትተክል ምብቃዓ ኣካል ምትብባዕ ኢንተርነት`ታ ሃገር`ዩ ኢሉ።
እቲ በዓል- ስልጣን ታንዛንያ ሕጂ ካብ ሰለስተ ቦታታት ጎቦ ኪሊማንጃሮ ምስ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ምርኻብ ተኻኢሉ`ሎ ኢሉ። ንሱ ኣስዒቡ እቲ ኢንተርነት ኣብ ጫፍ`ቲ ጎቦ ምስ በጸሐ ድማ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝለዓለ ቦታ ኢንተርነት ዘለዎ ክኸውን`ዩ ይብል ።