ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ታንዛንያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ኣትዮም ዝበለቶም 1,789 እሱራት ንምፍታሕ ድልው ምዃና ገሊጻ


መንግስቲ ታንዛንያ ናብታ ሃገር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ሰሊኾም ብዝብል ኣሲርዎም ዝጸንሐ 1,789 ኢትዮጵያውያን ክፈትሖም ቅሩብ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ ምፍታሕ ወረ ዝስማዕ ዘሎ፡ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለ ወርቅ ዘውዴ ኣብ`ታ ሃገር ምብጻሕ ብምግባር ምስ ፕረዚደንት ጆን ማጉፉ ድሕሪ ምርኻበን`ዩ።

ፕረዚደንት ሳህለ ወርቅ ድማ ነቶም ኢትዮጵያውያን ብቕልጡፍ ናብ ሃገሮም ኣብ ምምላስ ክሰርሓ ምዃነን ኣብቲ እዋን ብምሕባር ንመንግስቲ ታንዛንያ ምስጋንአን ገሊጸን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG