ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ታንዛንያ: ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ብምውሳኹ ሃገራዊ ናይ ጸሎት መዓልቲ ኣዊጃ


ቁጽሪ ብለበዳ ኮቪድ-19 ይትሓዙ ዘለው ታንዛናዊያን እናወሰኸ ይኸይድ ኣብዘለሉ ሕጂ እዋን ዜጋታት’ታ ሃገር ናይ ሰለስተ መዓልታት ሃገራዊ ፀሎት ሎሚ ዓርቢ ጀሚሮም።

ነቲ ናይ ጸሎት ኣዋጅ ትማሊ ሓሙስ ወግዓዊ ዝገበሩ ናይ ታንዛኒያ ፕረዚደንት ጆን ማጉፉሊ ታንዛናዊያን በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሓደሽቲ ሽዱሽተ ሓዊሱ ቫይረስ ኮሮና ንዝሓዞም 94 ሰባት ኣምላክ ክሕልዎምን ክፍውሶምን ክፅልዩሎም ፀዊዖም።

ኣብታ ሃገር ዛጊት በቲ ቫይረስ 4 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም ኣለው።ማሕበራዊ ርክባት ተኣጊዶም፣ኣብያተ ትምህርቲ ተዓፂዮም ይርከቡ።ኣብያተ እምነት ግን ክፉት ኮይኖም ቀፂሎም፤ሰባት ድማ ከምድላዮም ይንቀሳቐሱ ኣለው።

እቲ ናይ ፀሎት ፃውዒት ይቐርብ ዘሎ ታንዛኒያ ኣብ 1964 ታንጋኒካን ዛንዚባርን ተፀንቢረን ታንዛኒያ ዝተመስረተትሉ 26 ሚያዚያ ዝኽበር ሃገራዊ በዓል ብሰንኪ እቲ ለበዳ ቫይረስ ድሕሪ ምስራዛ እዩ።

ቀዳማይ ሚንስትር ቃሲም ማጃሊዋ ፕረዚደንት ማጉፉሊ ነቲ በዓል ተመዲቡ ዝነበረ 217,000 ሽሕ ዶላር ኣብታ ሃገር ንዘጋጠመ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ክዛወር ኣዚዞም ኣለው ኢሎም።

XS
SM
MD
LG