ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ታንዛኒያ ብዱልረዛቕ ጉርነ ተዓዋቲ ሽልማት ስነ-ጽሑፍ ኖበል 2021


ታንዛኒያ ዓብዱልረዛቕ ጉርነ
ታንዛኒያ ዓብዱልረዛቕ ጉርነ

እቲ ነዊሕ ትጽቢት ዝግበርሉ ኮሚተ ኣካዳሚ ሽወደን ውጽኢት ሕርያኡ ብሓሙስ ከፍልጥ እንከሎ፡ ኣብቲ ዝለዓለ ናይ ስነ ጽሑፍ ሽልማት ንተወላዲ ደሴት ዛንዚባር (ሃገረ ታንዛኒያ) ዓብዱልረዛቕ ጉርነ ሂቡዎ ኣሎ። ዛጊት ዓሰርተ ልብወለዳውያን መጽሓፍቲን ካልኦት ሓያሎ ስነ፡ጽሑፋዊ ስራሓትን ዘበርከተ ጉርነ፡ ብኣገላልጻ ኮሚተ ኖበል ስነ ጽሑፍ፡ “ንስለ’ቲ ዘየወላውልን ሰንጣቒን ብርዑ ኣብ ምስናድ ውጽኢት መግዛእቲን ጕዕዞ ስደትን” ኢዩ ንሽልማት በቒዑ።

ብኣገላልጻ እቲ ኮሚተ፡ ጉርነ ምስ ሕሉፍን ቅድመ፡መግዛእቲን ኣፍሪቃ ዝተኣስረ ደኣ ኣይዅን እምበር፡ ኣብ ስነ ጽሑፋዊ ስራሓቱ ግን ንማሕለኻታት ስደትን ዳግም ምጥያስ ህይወት ስደተኛታትን ብጽቡቕ ዝውክሉ’ዮም።

ኣብ 1948 ኣብ ደሴት ዛንዚባር ዝተወልደ ጉርነ፡ ቀዳማይ ቋንቋኡን ስነ ጽሑፍ ዝጀመረሉን ስዋሂሊ ደኣ ይዅን እምበር፡ ኣብ መወዳእታ 1960ታት ናብ ዓዲ፡እንግሊዝ ድሕሪ ምስዳዱ ብእንግሊዘኛ ምጽሓፍ’ዩ ቀጺሉ።

ዓመታዊ ነዊሕ ትጽቢት ዝግበረሉን ኣብ ስነ፡ጽሑፍ ዝለዓለ ክብሪ ዝወሃቦን ሽልማት ኖበል፡ ተደጋጋሚ ግዜ ንትጽቢት ሓያሎ ተኸታተልቲ (ብሕልፊ እኳ ካብ ኣፍሪቃን ካልኦት ምምዕባል ዝርከባን) ክሰብር ጸኒሑ’ዩ። እዚ ዓቢ ሽልማት ንኣፍሪቃዊ ክወሃብ ሎሚ ንሓሙሻይ እዋኑ’ዩ። ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ተሸላሚ እዚ ዓቢ ሽልማት ኣብ 1986 ዝተቐበለ ናይጀሪያዊ ዎለ ሾዪንካ ክኸውን እንከሎ፡ ግብጻዊ ነጂብ ማሕፉዝ ድማ ኣብ 1988 ተዓዊቱ። ቀጺሎም ካብ ኣፍሪቃ ነዚ ሽልማት ዝበቕዑ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ጸሓፊት ኣብ 1991 ናዲን ጎርዲመ፡ ከምኡ’ውን ኣብ 2003 ዝተሸለመ ጂኤም ኮትዚ ኢዮም።

ኣብ 1901 ዝጀመረ ሽልማት ስነ ጽሑፍ ኖበል፡ ብተደጋጋሚ ንጸዓዱ ጸሓፍቲ ብምቕዳም ኣደዳ ነቕፌታ ክኸውን’ዩ ጸኒሑ።

ካብ ኣፍሪቃ ነዚ ውድድር ክዕወቱሉ ትጽቢት ዝግበር ኬንያዊ ንጉጊ ዋ ቲያንጎን ሶማላዊ ኑረዲን ፋራሕን፡ ሕጂ’ውን እዚ ሽልማት ብምስሓቶም ንትጽቢት ሓያሎ ኣፍሪቃውያን ጎስዩ ደኣ ይጽናሕ እምበር፡ ሕጂ ጉርነ ምዕዋቱ ግን ደበስ ኰይኑ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG