ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ታሪኻዊ መስጊድ ነጋሽ ንምልላይ ዝዓለመ መድረኽ ተኻይዱ


ታሪኻዊ መስጊድ ነጋሽ ንምልላይ ዝዓለመ መድረኽ ዝሓለፈ ቀዳም ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ መራሕቲ ሃይማኖት እስልምና ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሱዳንን ዝመጹ ተሳተፍቲ ኔሮም።

ወርሒ ውልደት ነብዩ መሓመድ ምኽንያት ብምግባር መስጊድ ኣልነጃሺ ዓለምለኻዊ ተፈላጥነቱ ብምዕባይ ፍልፍል ቱሪዝም ንምግባር ዝዓለመ መድረኽ ተኻይዱ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ካብ መላእ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሱዳንን መራሕቲ ሃይማኖት እስልምና ተሳተፍቲ ኔሮም።

መምህር ያሲን ረጅኡ ታሪኻዊ መስጊድ ነጋሽ ክልላ ናሰረሑ ዝርከቡ እዮም። ታሪኽ እቲ መስጊድ ፈለማ ኣብ ውሽጢ ሃገር መሳጊድ ክላለ ምግባር ተጀሚሩ ኣሎ ኢሎም።

ፕሬዚዳንት ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሓጂ ኣደም ዓብደርቃድር ብግደኦም መስጊድ ኣልነጃሺ ኣብ መሬት ሓበሻ ፍትሒን ማዕርነትን ደቂ ሰባት ዝተረጋገፀላ እያ ኢሎም።

“ኣብ መካ መዲና ብግልፂ ሶላት፣ ፀሎትን ኣዛንን ኣብ ዘይግበረሉ ዝነበረ እዋን መሬት ሓበሻ ኣብ ዝኾነት ኣልነጃሺ ግን ኣዛን ብግልፂ ይካየድ ነይሩ፤ ስለዚ እዚ ኸባቢ ብቕዱስነቱ ዝተመስከረሉ እዩ” ክብሉ እቶም ፕሬዚዳንት ተዛሪቦም።

ኣብቲ መድረኽ ምልላይ ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ኣመንቲ እስልምና ብወገኖም ሰላም ሳላ ዝተፈጠረ እዩ ሓበሪና ነቲ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓት ዝፈፀምና ኢሎም።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፥ ካብ ሃገራት ሱዳን፣ ኤርትራን ጅቡቲን ዝመፅኡ ኣጋይሽ ኣብቲ ቦታ ምርካቦም ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘሓይል እዩ ኢሎም።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ምስ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ብምዃን ኣብ ሃይማኖት እስልምና ልዑል ክብሪ ዝወሃቦ ታሪኻዊ ቦታ መስጊድ ኣልነጃሽ መስሕብ ቱሪዝም ንምግባርን ዓለምለኻዊ ተፈላጥነቱ ንምዕባይ ክሰርሕ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

“ትግራይ ኣብ ካልእ ከባቢ ፍትሒ ዝሰኣነ ሰብ ዘፅልለሉ ቦታ ከምዝኾነ መስጊድ ኣልነጃሺ ህያው ታሪኻዊ ምስክር'ዩ” እውን ኢሎም።

በዚ እውን ንኢትዮጵያ ይኹን ህዝቢ ዓለም ከምህር ዝኽእል ብዙሕ ቁምነገር ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር እቶም ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመፅኡ ኣጋይሽ ብምምስጋን “ሓደ ጊዘ ጥራሕ እትመፅኡ ዘይኮነስ ኩሉ ጊዜ ክትመላለሱ ኢና ንደሊ” ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ታሪኻዊ መስጊድ ነጋሽ ንምልላይ ዝዓለመ መድረኽ ተኻይዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:39 0:00

XS
SM
MD
LG